Neither breaking, nor news

ኤርትራ፡ ህሉው ኩነታት ሃገር

መእተዊ

(1) ካብ ታሕሳስ 2018 ክሳብ ግንቦት 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ: ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለና ኤርትራውያን ሞያውያን፡ ንምቅርራብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ዝመጸ ምዕባለታት ክንግምግም፡ ቅድም ብኣካል ኣብ ናይሮቢ (ከንያ)፡ ድሒሩ ድማ ብኢንተርኔት ዓሚቚ ዘተታት ኣካይድና። ነቲ መስርሕ ምቅርራባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንጎፋይ ኢልና ንቕበሎን ነቲ ቅድሚ ዓመታት ኪውሰድ ዝግብኦ እሞ ሎሚ ዝተወስደ ተበግሶ መራሕቲ ኢትዮጵያ እነድንቖን እንተኾንና ኣብ ኤርትራ ንቡር ምምሕዳር ናይ ምምላስ ዘእንፍት ምልክታት ዛጊት ዘይምርኣይና ንሓዝንን በቲ ድሕሪ ምቅርራራባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ዝተኸስተ ምንሃር ፍልሰት ኣሻሓት ዜጋታት ሻቕሎትና ንገልጽን። እዚ ናይ ግዜ ‘ሰላም’ ፍልሰት ምልክት ናይቲ ብጠንቂ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝርከብ መዋጽኦ ዝተሳእኖ ቀቢጸ-ተስፋ እዩ ኢልና ንኣምን። ኣብ ኤርትራ ቅልጡፍን ቅጽበታዊን ለውጢ እንተዘይመጺኡ፡ እዚ ኩነተ-ህልውና ከይተመሓየሸ ከም ዝቅጽልን እቲ ስርዓት ድማ ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ንምቅያር ድልየት ይኹን ኣኻእሎ ከምዘይብሉን ንርዳእ። ብመንጽር እዚ መረዳእታ ኢና ድማ ኣብ ኤርትራ መዋጽኦ ክርከብ እንተኾይኑ፡ እቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሖ ስርዓት ቦታ ክለቕቅን ልኡላውነት ህዝቢ ብጭቡጥን ዕቱብን መልክዑ ዳግም ክረግገጽ ኣለዎ ኢልና ንጽውዕ።

(2) ኣብ ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ዕርቀ-ሰላም ካብ ዝፍረም ኣትሒዙ ፍልሰት ኤርትራውያን ብሰለስተ ዕጽፊ ዛይዱ ኣሎ። እዚ ኣብ እዋን ‘ሰላም’ ዝርአ ዘሎ ዘሰምብድ ጽኣት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝርከብ ክስተት እዩ። እቲ ንቡርን ኪኸውን ዝግብኦንሲ ሰላምን ናይ ሰላም ስምምዓትን ተሰዲዱን ተጎሳቊሉን ዝነበረ ሰብ ናብ ቤቱን ሃገሩን ክምለስ ዘኽእል ኩነት ክፈጥር እንከሎ እዩ።

(3) ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኸፍተሉ ቀዳሞት ሳምንታት ጥራይ፡ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕተ ዕድመ ቆልዑት ዝርከብዎም ኣስታት ዓሰርተ ሽሕ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ብምስጋር እኹል ቀረብ ኣብ ዘይብሉ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ተመዚጊቦም። ብዙሓት ዜጋታት ዕድል በብዝረኸቡሉ ኣጋጣሚ ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ምህላዎም እምበኣር መርኣያ ናይቲ ተስፋ ዝተሳእኖ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ኤርትራ እዩ።

(4) ብጠንቂ መንግስቲ ክኽተሎ ዝጸንሐ ምእኩል ስርዓተ-ቁጠባ፥ ፍልሰት ዜጋታት ዝፈጠሮ ሕጽረት ዓቕሚ-ሰብ፥ ፍጹም ዕብለላ ናይ መንግስቲ ትካላትን ንሱ ዘስዓቦ ምድኻም ብሕታዊ ጽላትን፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኽተሎ ዝንቡዕ ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ቁጠባ ኤርትራ ዓንዩ እዩ። ኩሎም ጽላታት ቁጠባ፡ ማሕረስን መጓሰን፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ንግድን ኢንዱስትርን ናብ ፍጹም ዕንወት ተቓሊዖም እዮም። ኤርትራውያን ሰብ ርእሰ-ማል ካብ ኤርትራ ተደፊኦም ስለ እተሰዱ፡ቁጠባ ኤርትራ ብዋሕዲ ብሕታዊ ወፍርን ተበግሶን ለሚሱ እዩ። ኣብዚ ስርዓት ኢሳይያስ ዝፈጠሮ ቁጠባዊ ሃጓፍ እዮም እምበኣር
ኢትዮጵያውያን ሰብ ዋኒን፡ ዘወርቲ ታክስን ሰብ ንእሽቶ ዓቕሚ ሸቃጦን ከይተረፉ፡ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ዝርካቡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ክሳብ’ዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ዝዕጾ ዓቢሊሎሞ ዝጸንሑ። እዚ ምዕባለታት ምስቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ጥራሕ ዝተሓጽረ ምስጢርን ሃወኽን ዘለዎ ስምምዓት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደማሚሩ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ሕቶን ጥርጣሬታትን ኣለዓዒሉ ኣሎ።

(5) ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ጸጋታቱ ብኸመይ ይመሓደርን ኣበይ መዓላ ይውዕልን ክውስን ዕድል ኣይጸንሖን። ኣብ ርእሲ እዚ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ኣብ ዝህብዎ ዘይንጹር መግለጺታት ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘርኢ ዕቱብ ምጥርጣራትን ሕቶታትን ክፈጥሩ ጸኒሖም ኣለዉ። ብሕጽር ዝብለ፡ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከቡ ኤርትራውያን ብመጻኢ ሃገሮም ኣብ ዓምዪቕ ሻቕሎት’ዮም ዝርከቡ ዘለዉ።

(6 ንጉዳያት ወጻኢ ዝምድናታት ብዘርኢ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምስቲ ንዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክገዝኡ ዝጸንሑ ኣውራ ጉዳያት ብዕቱብነት ኣብ ክንዲ ምጽማድ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ናይ ተዓወትናን ኣሰነፍናን ዳንኬራ ብምትኳሮም፡ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ስምምዓት ንመላእ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ክንዲ ምርባሕ፡ ሰዓርትን ተሰዓርትን ፈጢሩ ንዘላቂ ግርጭታት ምኽንያት ናይ ምዃን ኣንፊ ዘለዎ እዩ። ከም ተወሳኺ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣውራ መሻርኽተን ንኪኾና ሓርየንአን ዘለዋ ሃገራት ኸሊጅ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተወርየለን ሃገራት ኢየን።

(7) ሓቀይና ሰላም፡ ስምምዕን፡ ጸጥታዊ ውሕስነትን ብልጽግናን ዝረጋገጽ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኩሉ ንህይወቶም ዝትንኪ ኣውራ ጉዳያትን ዕዮታት መንግስትን ብምሉእ ተኻፈልቲ ምስ ዝኾኑ እዮም። ኤርትራውያን ምሉእ ጸዓቶም ኣርኒቦም፡ ተበግሶታቶም ኣወሃሂዶም፡ መሃዝነቶምን ሓይሊ ፍቓዶምን ከርእይሉ ዝኽእሉ እንኮ ሃዋሁ ናይ ልዝብን ዕርቕን ሕውነትን ሃዋሁ እዩ። ነዚ ሃዋሁ ክዉን ንምግባር ዘኽእል መንግስቲ ግን ህዝቢ ይርሓሰና ዝበሎን ሞራላዊን ፖለቲካዊን መዚ ዘሰከሞን መንግስቲ ጥራይ እዩ። ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዝመርሖ ስርዓት ቦታ ክሓድግ ኣለዎ እንብለሉ ዘለና ካልኣይ ኣውራ ምኽንያት እምበኣር፡ ኤርትራውያን ኣብ ምብትታትን ስኒት ተሳኢንዎም ንሓድሕዶም ክተፋነኑ ኣብ ምግባርን መሪሕ ተራ ክጻወት ጸኒሑ ዝብል ቊርጺ መደምደምታ ስለ ዝበጻሕና እዩ።

(8) እዚ ጽሑፍ ንመንፈስን ትሕዝቶን ናይቲ ሃገርና ካብ እትርከቦ ጸበባን ሰልምን ዘውጽእ መንገዲ ከነለሊ ብምትስፋው ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ በበይኑ ግዜያት ዘካየድናዮ ምምኽኻር ነጸብራቕ እዩ። ኤርትራ፡ ብሕግን ብውድን እትግዛእ፡ ልዕልነት ሕጊ ዝሰፈና ሃገር ንምግባራ ኣብ ዝካየድ ሰለማዊን ሃናጺን ናይ ለውጢ ገድሊ፡ ኣንፈት ዘትሕዝ ሓሳባት ክርከቦ ድማ ሰብ ተስፋ ኢና። እዚ ጽሑፍ ኤርትራ እትርከቦ ምሒር ዘተሓሳስብ ኩነታት ድሕሪ ምግላጽ፡ ብዝወሓደ ሓደጋ፡ ለውጢ ንምክንዋን ዘኽእል እማመታት ከቕርብ እዩ።

ኤርትራ፡ ዝሰረተ ሽግር

(9) እዚ ብሓደ ዓለወኛ ሰብኣይ ዝምራሕ ስርዓት፡ ኤርትራ ዝነበራ ናይ ምዕባለ ተኽእሎታት እምበረ-መጠን ሃስይዎ እዩ። ወተሃደራዊን ጸጥታዊን መሓውራቱን ንዕኡ ዝገዝኡ መትከላትን ኣብ መላእ ሰውነት ሕብረተሰብና ስለ ዝሰረበ፡ ዜጋታት ኣብ ዕዮ መንግስቲ ትርጉም ዘለዎ ምሉእ ተሳትፎን ሓይልን ክህልዎም ከኽእላ ዝነበረን ትካላት ፍጹም ዓንየን እየን። ከም ውህሉል ውጺኢት ናይዚ ድማ ማሕበራዊ መሸከል ህዝቢ ኤርትራ ተፈራኺሹ፡ ኣማእት ኣሽሓት ካብ ህዝብና ፈሊሱን መንግስታዊን ሕብረትሰብኣዊን ትካላት ፍጹም ተዳኺሙን።

(10) ንምዕባለ ኤርትራ ዘደኽድኹ ብዙሓት ረቛሒታት እኳ እንተለዉ፡ኣብ ዘተታትና ኣብ ኤርትራ እወታዊ ለውጢ ከይመጽእ ሓሊኾም ኣለዉ ኢልና ዘለለናዮም ረቛሒታት ግና እዞም ዝስዕቡ እዮም፥ ዝደስከለ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ኩነታት፡ ብኲራት ግዝኣተ-ሕጊን በርጌሳዊ ማሕበራትን፡ ምውሳንን ምድኻምን መንሰያትን ኣብ ሕብረተሰብና ሰፊኑ ዝርከብ ሕድሕድ ምትፍናን ምፍልላይን።

(11) እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ጸገማት መንቀሊ ሱሩ ብዙሑን ተሓላለኸን እኳ እንተኾነ፡ ብቀዳምነት ዝሕተተትሉ ግን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንጡፋትን መተዓይይቱን ተለኣኣኽቱን እዮም። ስለዝኾነ ድማ እዩ ኣብ መንጎ ሓያለ ኤርትራውያን ስልጣኖም ብቕጽበት ክገድፉ ከምዘለዎም ሓባራዊ መረዳእታ ዘሎ።

(12) ብ1997 ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቆ ቅዋም ብቃለ-ኣዋጅ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሞይቱ ተባሂሉ፡ኣብ ክንዳኡ ክጽሓፍ ዝተባህለ ሓዲሽ ቅዋም ድማ ንስለ ይምሰል’ውን ይኹን ይዕየ ከምዘሎ ዘአንፍት ሓንቲ ምልክት ኣብዘይርኣየሉ፡ሕጋዊ መዋቕራትን መትከላትን ሃገርና ብሰሪ ፍጹም ምልከ-ስልጣን ፕረሲደንት ተዘራሪጉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሃገርና ብዘይ ዝኾነ ርጉእን ፍሉጥን ሕጋዊ መወከሲታት ብፊንታን ፍቃድን ሒደት ሰባት ከም ሻሙ እናተማሕደረት ትርከብ። ኣብዚ ፍጹም ናይ ፋሉልነት ኩነታት፣ ሓያለ መኮነናት ሃገራዊ ድሕነትን ትካላት ጸጥታን ከይተረፉ ልዕልና ሕጊ ዘረጋግጽ ንኣሰራርሕሖም ክገዝእ ዝግብኦን ኣውራ ሕጋዊ መወከስታትን ሰነዳትን ዘነጽረሎም ቊርጺን ዘየሻሙን መድረኽ ይደልዩ ከም ዘለዉ ሓበሬታን መረዳእታን ኣለና።

(13) ብጠንቂ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ንሱ ዝፈጠሮ ፍጹም ምቕንጣእ ሓርነታትን ሰፊሕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኤርትራ ብመንጽር ብዝሒ ህዝባ ክምዘን እንከሎ ካብተን ፍቅዲ ዘይብሎም ዜጋታተን ንፍልሰት ዝደረኻ ብቀዳምነት ዝጥቀሳ ሃገራት እያ። ዕድመ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበጽሑ ጭልግዕ ቖላዑን ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ከይተረፉ ዝርከብዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን ጭንቅን ዓመጻን ሰሃሮን ብዝመልኦ ዘይሕጋዊ መንገዲ ንስደት ከብሉ ስለ ዝጸንሑ ድማ፡ ነቶም ድሕሪ ሓርነት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዘይከኣሉ ብሰሪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሱሳታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ኣትሒዞም ኣብ ሱዳንን ካልኦት ጎሮባብቲ ሃገራትን ዝበልዩ ዘለዉ ስደተኛታት ወገናትና ክጽንበርዎም ጸኒሖም ኣለው። መንግስቲ ኤርትራን ናይ ወጻኢ ልኡኻቱን ነዞም ስደተኛታት ከም ከድዓት ጸብጺቦም ካብ ምሕጋዞም ፍጹም ስለ ዝሓንገዱን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ንኣውያቶምን ኣቤቱታቶምን ዝዳረግ እኹል ምላሽን ደገፍን ስለ ዘይረኸቡን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ፡መግረፍቲ፡ ማእሰርትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ንምሓሳቡ’ውን ዘፍርሕ ግህሰት ክጎንፎም ብስቅቕታ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። ነዚ ዘሰክሕ ተመክሮ ሓሊፎም ዝሰረሩ ሓያለ ስደኛታት’ውን እንተኾኑ ግዳያት ናይ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸማልያ ኮይኖም ክጋደሉ ንርኢ ኣለና።

(14) ዝዓበየ ጾርን ኣደራዕን ናይቲ ኤርትራ ዝጸመደቶ ኲናትን ዓይኒ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ምልክን ኣብ ዝባን ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ መንእሰያትን ደቀንስትዮን ተጻዒኑ ከም ዝጸንሐ ንኹሉ ሰብ ብሩህ እዩ። ኣብ ሃገራዊ ኣግልግሎት እንከለዉ ብዘጋጥሞም ግፍዕን ዓመጽን ኣሚሪሮም ክጣርዑ፡ ብዝተመንጠልዎ ንእስነትን ዕድላትን ኣብ ህይወቶም ተስፋ ክስእኑ ኮይኖም እዮም። ኣሽሓት ኣቦታት ኣብ በረኻን ውትህድርናን ዓመታት ስለ ዝበለዩ፡ ኣዴታት ቖልዑት ናይ ምዕባይ ጾር ንበይነን ክስከማኦ ተገዲደን እየን። እዚ ኩነታት፡ ንመሸከል ስድራቤታት ስለ ዝበታተነ፡ ቆልዑት ብክብርታትን ድግነትን ሕብረተሰቦም ከይህነጹ፡ዝኣክል ኣባታዊን እኖታዊን ፍቕሪ ከይረኽቡ፡ከይዓረቁን ከይጠመዩን ክዓብዩ ጠንቂ ኮይኑ እዩ።

(15) ንነዊሕ ዓመታት ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ብስነ-ምምህርናዊ ብቕዓቱ ዝተሰምየን ብኣኡ ዝሓለፉ ተመሃሮ ድማ ኣብ ዝኸድዎ ተወዳደርትን ብልህታትን ኮይኖም ዝርከቡ እዮም ነይሮም። ከም ኩሉ ትካላት እታ ሃገር፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ እውን መማህራን ከምዝስደዱ ብምግባር፡ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብፊንታኡ ብምዕጻው፡ ናጻ ማሕበር ተማሃሮ ብምእጋድን እታ ዩኒቨርሲቲ ምስ ካልኦት መዛኑኣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝነበራ ናይ ምልውዋጥ ስምምዓት ብምፍራስ፡ ነተን ከም መተካእታ ዩኒቨርስቲ ተባሂለን ኣብ ፈቀድኡ ዝተሃንጻ ኮለጃት ብዘይካ’ቲ ብሕጽረት ብቁዓት መምሃራንን ከም ቤት-ንባብ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ትሕተ-ቅርጽን ዝጫነቃ ምዃነን ሓንሳብ ንምምሕዳራዊን ኣካዳምያዊን ስርሓተን ኣብ ትሕቲ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ብምእታው፡ካልእ እዋን ድማ ንንጥፈታተን ብመንገዲ ኣብዘን ኮለጃት ዝተመደቡ ካድረታት ህግደፍ ብምክትታል ኣዳኺሙዎ እዩ። ኣብ መንእሰያት ዘሎ ቀቢጸ-ተስፋ እምበኣር ምስ ውድቀት ስርዓት ትምህርቲ ኤርትራ ቀጥታዊ ዝምድና ዘለዎ እዩ። እቲ መንግስቲ ሓታትን ተመራማሪን ሰብ ዝዕፍን ምስ ምዃኑን ብቑዓት መምህራንን ንተማህሮ ድርኺት ዝፈጥሩ መተባቢዒታት ምስ ዘይምህላዎምን፡ እቲ ቦኽቢኹ ዝርከብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኤርትራ ፖለቲካዊ ተገዳስነት ዘይብሎም፡ ነብሶም ከማዕብሉን ከመሓይሹን ዘይፍትኑ፡ ተስፋ ዝቖረጹ መንእሰያት እዩ ከፍሪ ጸኒሑ።

(16) ብኣንጻር እዚ ክብ ኢልና ዘመልከትናዮ ልቢ ዝነክእ ህላወ መንእሰያትና ግን፡ ልቢ ዘምውቅ ኩነታት ድማ ኣሎ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቅባ፡ ሓሳረ መከራ ጸጊቦም ኣብ ማዕልብኦም ምስ በጽሑ፡እናኸረርን ነጻጊ እናኾነን ዝኸይድ ዘሎ ንስደተኛታት ዝትንኪ ፖሊስታትን ሕግታትን ተጻዊሮም፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ስድራቤታቶም ንኽሕግዙ ኩሉ ግዜ ምስ ኣንቀዱ እዮም። ብሓቂ ድማ፡ መንእሰያት ኤርትራ ሓላፍነት ተሰሚዕዎም ብዙሕ ሓ ታት ክስከሙ፡ ኩነታቶም ንምምሕያሽ ዝረኸብዎ ዘበለ ዕድል ብቁዉም-ነገር ከልዕሉ፡ ሓድሽ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕዮ ክኾትሙ ንዝዕዘቦም ኲሉ ልቢ ዝቅስቕሱ ኮይኖም እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ሓያለ ካብኣቶም ድማ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኣዝዮም ዕዉታት ብምዃን ንኹሉና ዘሐበኑ ኣለው። ብዘይካ’ዚ፡ ብዙሓት መንሰያትና ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ኣብ ሃገር ብምጽናሕ ንመንግስቲ ብግህዶን ብዓብዪ ትብዓትን ክብድህዎን መፍትሒ ሓሳባት ከቅርቡን  ሚሮም ኣለዉ። ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከዕንዎ ዘይተዓወተሉ ነገር እንተልዩ መሸም ደረት ዘይብሉ ጽንዓትን ወዲቅካ ናይ ምትንሳእን ሓይሊ ኤርትራውያን እዩ።

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

(17) ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ንሱ ዝተሰረተሉ መትከላትን ብሓጎስ እንቕበሎ ነገር እዩ። ህዝቢ ነቲ ኣብ ሓምለ 2018 ብዝተኸተመ ስምምዕ ወግዒ ዝለበሰ ምቅርራባት ክልቲአን ሃገራት፡ ንመስከረሙ ዝተኸፍተ ዶባትን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ ናጻ ምንቅስቃስ ህዝብን ንብረትን ብጽቡቕ መንፈስ ተቀቢልዎን ብርቱዕ ተስፋ ኣሕዲርሉን እዩ። እንተኾነ ዝርዝራዊ ጨናፍራትን ፖሊሳዊ ትርጉማትን ናይቶም ኣብ ሓምለ ዝተኸተሙ ሓፈሻውያን መትከላት ንህዝቢ ጋህዲ ስለ ዘይተገብሩን፡ ብዛዕባእባኦም ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ምምኽኻርን ክትዓትን ስለ ዘይተካየደን ግን ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ምጥርጣርን ስግኣትን ፈጢሮም እዮም። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ምእንታኡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት መንእሰያትና ዝተሰውእሉ፡ኣማእት ኣሽሓት ዜጋታትና ካብ ቤቶምን ንብረቶምን ዝተፈናቀሉሉ፡ ብመሰረት ብይን ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ንእሽቶ ሕድገት ኣብ ባይታ ንምሕንጻጹ ናይ ዕስራ ዓመት ዕድላትን ዝተሰውኣሉን መላእ ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ዝተታሕዘሉን ጉዳይ ዶብ ከም ኣዝዪ ንእሽቶ ዘየገዳሲ ጉዳይ ምጒሳዩ መስተንክር ዝኾነ ኣብነት ናይ ዝተመዛበለ ቀዳምነታቱ ኮይኑ ዝርከብ እዩ።

(18) ኣብ 1998 ዝተወለዐ ኲናት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝባን ኽልቲኡ ህዝብታት ከቢድ ዕንወት ዘውረደ እዩ ነይሩ። እዚ ኮይኑ ከብቕዕ ግና፡ብዛዕባ እቶም ኣብቲ ኩናት ዝሃለቊን ኣካሎም ዝጎደሉን ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ዝኾነ ይኹን ዝርርብ ኣይተኻየደን። ነቶም ኣብ ኩናት ዶባት ዝሞቱ መንእሰያት ንመስዋእቶም ዝዓጅብ ሃገራዊ ክብሪ ኣይተዋህቦምን፡ ንውዕለቶም ዝበቅዕ ንወለዶታት ዝሓልፍ መዘከሪ ኣይተገብረሎምን። ንመንቀሊ’ቲ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ዘርሞ ዘርሞ ዘእተወ ኲናት ኣመልኪቱ ዝኾነ ወግዓዊ መርመራ ኣይተኻየደን። ንስድራ-ቤታት መወትቲ እውን ንቡር ደበስን መቅሰን መንፈስ ዕጽዋን ኣይተገብረሎምን። ምእንቲ ከምዚ ዝበለ ንሃገር ዑና ዝቅይርን ቅዝፈት ኣሽሓትን ዘስዕብን ኲናት ደጊም ብፍጹም ከይድገም መለበሚ ምህሮ ክወልድ ዝኽእል ዕቱብ ህዝባዊ ምኽሪን ምስትንታንን ኣይተገብረን። ኤርትራ ኣብ መጻኢ ፍጹም ኲናትን ወረ-ኲናትን ከይትሰምዕ ምእንቲ’ውን ቊርጺ ውሳኔ ኣይተወስደ መብጽዓ ኣይትኣትወ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ብቀዳምነት ክረጋገጽ ዘለዎ ዝዓበየ ጉዳይ ኢዩ ብምባል ነቲ ንነዊሕ እዋን ብንቅጽና ክስዕቦ ዝጸንሐ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ባይታ ብግዲ ክምልከት ኣለዎ ዝብል መርገጺኡ ኣዋሲንዎ ኣሎ። ከምቲ ብዘልማድ ዝብሃል ታሪኽ ክልተ ግዜ እዩ ርእሱ ዝደግም፥ ኣብቲ ፋልማዩ ከም ትራ ዲ፡ ኣብ ምድጋሙ ድማ ከም ላግጺ። እዚ ሕጂ “ምርግጋእ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ዶብ ዝጸቅጥ ቀዳምነት እዩ” ዝብሃል ዘሎ ኣብ ፈለማ ቀዳሞት ዓመታት ሓርነት ኤርትራ ዝተገብረ ጌጋ ምድጋም እዩ ኪኸውን። ኣብ መንጎ 1993ን 1998ን ዝነበረ ዓመታት፡ ጉዳይ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቀጻሊ ክልዓል እንከሎ፡ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ እቲ ጉዳይ ነቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ትሕዞ ስልጣኑ ንምጥንኻር ዝጽዕት ዝነበረ ብዓል ኪዳኑ ዝነበረ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ከየዳኽም ምእንቲ ክውንዘፍ ዝወሰነ። እቲ ኣብ ክንዲ ብሻዓኡ ክፍታሕ ዝነበሮ እሞ ዝተመሓላልፈ ምስ ዶባት ዝተኣሳሰር ጸገማት ድማ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኣብ 1998 ዝተወለዐ ኲናት ኮይኑ።

(19) ቂምን ቅርሕንትን ዝነድኦ ስጉምትታት፡ ንህውሓትን ትግራይን ምኽባብን ምውቃዕን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንጡፍ ምትእትታው ምግባር ንድሕሪት ጥራይ ክጎተና ዝኽእል እምበር ካልእ ዝህበና ፋይዳ ኣይርከቦን እዩ። ከም ኤርትራውያን ደጊሙ ናብ ዝኾነ ጎንጺ ክወስደና ዝኽእል ዝተፈላለየ መልክዕ ዘለዎ ናይ ምትፍናንን ምትህልላኽን ስጉምቲ ኣበርቲዕና ክንነጽጎ ዘለና ነገር እዩ። ኣብ ህይወትን ዕድላትን ዘውርዶ ሃስያ ኣዳዕዲዕና ስለ እንፈልጥ። ትግራይ ንብዙሓት ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ እናጽለለት፡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ኣብ ጉዳይ ስደኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ብንጥፈት ዝዋስኡ ዜጋታትን ድሕነትን ውሕስነትን ከም ዘይስምዖም ይገብር ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ድማ ብዙሓት ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ገዲፎም ካብ ኣስገርቲ ሰባትን ጉቦኛታት ኣባላት ጸጥታ ብዙሕ ጸበባ እናጎነፎም ናብ ኬንያን ዩጋንዳን ዝግዕዙ ዘለዉ። ሰብ ብመጠን ራሕቒ እቲ ዝስደዶ ቦታ ናብ ሃገሩ ናይ ምምላስ ተኽእሎ እናጎደለ ስለ ዝኸይድ፡ እዚ ክስተት ኣብ መጻኢ ሃገርና ክህልዎ ዝኽእል ጫሌዳ ሓደጋታት ብርቱዕ ስግኣት የሕዲሩልና ኣሎ።

(20) ኤርትራውያን መንግስቲ ንመሰላቶም ቀዳምነት ይህቦ ምዃኑን ዘይምዃኑን ወይ’ውን እቲ ምቕዳም ተሪፉስ በዚ ጉዳዮም ጭራሽ ዝሓስብ ምዃኑን ዘይምዃኑን’ውን እንዶ የብሉን። ካብ 2003 ኣትሒዙ ብጽኑዕ ክትግበር ዝጸንሐ ብዘይካ ውሑዳት ነገራት ካብ ወጻእ ሃገር ኣቁሑ ንምእታዊ ዝኽልኽል ሕጊ ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ንግዳዊ ጽላት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ሓለኽቲ ሕጋታትን መምርሕታትን ተሓኒቁ ትንፋስ ስኢኑ እናተረኽበ፡መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ ኣብ ኤርትራ ክሸጡን ክልውጡን ምሉእ ናጽነት ምሃቡ፡ንመጻኢ ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ ረብሓ ክህልዎ ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋ ኣመና ኣሻቃሊ ገይርዎ ኣሎ። መንግስቲ ኤርትራ ምስ ናይ ወጻኢ ሃገራትን ናይ ዋኒን ትካላትን ዝገብሮ ስምምዕ ኲሉ ግዜ ምስጢራዊ እዩ። ድሕሪ ናይ ሓምለ 2018 ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን እንተኾነ ዜጋታት ንወሰንቲ ጉዳያት ሃገሮም ዝትንኪ እኹል ሓበሬታን ኣፍልጦን ኣብ ሰዓቱ ኸይረኽቡ ካብ ቅድሚ ሎሚ ዝገደደ ዓፈናን ምምስጣርን ጎኒፍዎም ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ብኤርትራውያን ዝካየዳ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዛዕባ ዝፍጸም ኩነታትን ምዕባለን ርጡብ ሓበሬታ ከቕርባ ስለዝሽገራ፡ ዜጋታት፡ ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ትካላት ሚድያ ወጻእን እዮም ሓበሬታ ክረኽቡ ጸኒሖምን ዘለዉን።

ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታት

(21) መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ዓለማዊ ተነጽሎ ወጺአን ማዕቀብ ተላዒሉለይን ኢሉ ሚሒር ይጽንብል እኳ እንተሃለወ፡ ብመሰረቱ ካብ መላእ ዓለም ክንጸልን ንጻዊዒት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ስዒቡ ኣብ ልዕሌኡ ብባይቶ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ክወርድን ዝገበረ መሰረታዊ ምኽንያታት ንምምልላይ ግን ዕቱብ ገምጋምን ነብሰ-ፍተሻን ኣየካየደን። ብተመሳሳሊ፡ ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከም ኣገዳሲ ሓይሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጠሚተ ኢሉ እናተሓበነ፡ ሓያለ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ሃገሮም ከይጥረዙ ሓዲርዎም ዘሎ ሻቅሎት ግን ፍጹም ኣየሕሰቦን። ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ ንኤርትራ ብዘርኢ ዘለወን ፖሊስታት ኣብ ክንዲ ጽላልን ዑቅባን ዝግብኦም ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም እንተ ተጠረዙ ክጎንፎም ዝኽእል ሓቀኛ ሽግር ኣብ ፍቅዲ ዘእቱ፡ ናብ ዶባተን ከይኣትዉ ንምዕጋት ምእንቲ ክጥዕም ተባሂሉ ዝሕንጸጽ ምዃኑ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ነገር እዩ።

(22) ካልእ ንኩነታት ሃገርና ዝሓላልኽ ረቛሒ ጂኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታት ዞባውያንን ኣህጉራውያን ሓይልታት እዩ። ኣባላት ቤት-ምኽሪ ምትሕብባር ኸሊጅ ብሓፈሻ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ከኣ ብፍላይ ኣብ ዞባና ፍሉይ ጸጥታውን ቁጠባውን ረብሓታት ኣለወን። ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዲፕሎማስያዊን ስትራተጂያዊን ትካላት ብወገነን፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ምምዕባል ህዝቡ ፍጹም ተገዳስነትን ሓልዮትን ብዘይብሉ ሓደ ሰብኣይ ዝዝወር መንግስቲ ምዃኑ ንሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ዘሰጉም ረቛሒ ኮይኑ ረኺበንኦ ኣለዋ። ስለዚ እምበኣር ሃገራት ሞዕራብ ይኹና ካልኦት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብርኦ ዘለዋ ጽምዶ ሓደው ስደተኛታት ናብ ዶባተን ንኸይኣትዉ ንምኽልካልን ነቶም ድሮ ዝኣተዉ ድማ ንምጥራዝን ክጥዕመን፡ ሓደው ድማ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሕሳባተን ንምርግግጽ ክኽእላ ምእንቲ ዝገብርኦ ምዃነን ዘገርም ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ፡ ስርዓት ኢሳይያስ’ውን እንተኾነ በዚ ጽምዶ ኣቢሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድኣ’ምበር ንሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ከውሕስ ከም ዘይኮነ ብሩህ እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝኽሰት ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተገብረ ለውጢ ዝመጽአ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ይዂን ዝመሓዘውዎ ዘለዉ ናይ ደገ ሓይልታት ብዛዕባ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ግዲ ዘለዎም ኣይኮኑን።

መፍትሒ እማሜታት

(23) ኣብ መንጎ ኩላቶም ዝተቐንጠአ ዜግነታዊ መሰሎም ንምምላስ፡ ሰብኣዊ ክብረቶም ንምርግጋጽ፡ ምስሊን ተስፋን ሃገሮም ንምኹላዕ በበዝኽእልዎ ክጋደሉ ዝጸንሑ ኩሎም ኤርትራውያን ትርጉም ዘለዎ ምምኽኻር፡ምቅርራባት፡ሓቢርካ ምትዕይያይን ምውህሃድን ክህሉ ዘለዎ ግዲ ነገር እዩ። ሃገራዊ ድሕነትን ናይ ደገ ተጻብኦን ዝብል ምኽኒታት ዳግም ስለ ዘየለዉ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ጥሕሰት ሕጊን መዝን ምጽዋር ዝድርኽ ርትዓዊ ምኽንያታት ፍጹም የለን። ሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ደኺሙ ስለ ዘሎ፡ ኲሎም ኤርትራውያን ረብሓ ህዝቢ ብምቕዳም ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ። ፍልልያትና ከነውግድን፡ሕድሕድ ዕርቅን ምቅርራብን ከነቀድም ኣሎና። ኣብ ደገ ብዝነብሩ መንእሰያት ኤርትራውያን ዝተ መረን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎን “ይኣክል!” “ኤርትራ ትግበኣኒ እያ” “ፕረዚደንት ኤርትራ እንተዝኸውን” ዝብል ቴማታት ዘልዕል ዘሎ ምንቅስቓሳትን ወፍርን ብምሉእ ልብና እንቅበሎን ብኲሉ ዓቕምና እንድግፍን እነተባብዖን እዩ። ብተመሳሳሊ ነተን ከም ኤሪ-ሳትን ኣሰናን ዝኣመሰላ ነቲ ስርዓት ኢሳይያስ ብሒትዎ ዝጸንሐ ናይ ሓበሬታ ሜዳ ንምድፋር ክኢለን ዘለዋ ናይ ሳተላይት ተለቭዥን መደበራት ዘለና ኣድናቆት ንገልጽ። ይኹን እምበር እዚ ኣብ ግዳም ተፈጢሩ ዘሎ ምልዕዓል ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓሳት መርበብ ምትእስሳር ክፈጥርን ጽሬትን ትሕዝቶን ፈነወ ተለቪዥን ዲያስፖራ ክመሓየሽን ክጸፍፍን ሓያል ጻዕሪ ከድሊ እዩ።

(24) ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነብሩ ኤርትራውያን ክንልዓልን እታ ተሕብረናን ትጥርንፈናን ረቛሒት ክንዝክርን ይግባእ። ኲሎም ኤርትራውያን ናጻ ሃገር ንክትህልዎም፡ ሃይማኖቶምን ድሕረ-ባይታኦምን ብዘየገድስ ብሓባር ተሰዊኦም፡ ከቢድ ዋጋ ከፊሎም’ዮም። ንናጽነት ኣብ ዝገበርናዮ ተጋድሎ ሓባራዊ ክብርን ስምን ኣሎና። እቲ ኣብ ቃልሲ ዝፈጠርናዮ ሓባራዊ ሃገራዊ ክብርን እምነትን ከይብሕጎግ ብማለት ኢና ከኣ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ፡ ንዝተቓለስናሉ ዕላማታት እውን እናቐተሎ፡ ክሳብ ክንድኡ ክንጽመሞን ክንጾሮን ዝፈተንና። ድሕሪ ሓርነት ናብ ሃገርና ተመሊስና ከይንጣየስ ዕድል ተኸሊኡና ንመዋእልና ኣብ ሱዳን እንበሊ ዘለና ስደተኛታት ንዂን፡ ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ኤውሮጳ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንጥረዝ ንኸውን እናበልና ብፍርሒ ተሸቚሪርና ምዪቕ እናበልና እንነብር ዘሎናን ሓተትቲ ዑቅባ ቀጥ ኣቢሉ ዝጠምረና ሓባራዊ ታሪኻዊ ተመክሮ እቲ ንናጽነትን ንልኡላውነትን ልምዓትን ኤርትራ ዝገበርናዮ ገድልን እምበረ-መጠን ሕሉፍ መስዋእትን እዩ። እዚ ንምስማሩን ንምክልኻሉን ኩሉ ጽዓትና ዝሃብናሉ ኤርትራዊ ሃገራዊነት ግን ትርጉሙ ምርግጋጽን ምእዋጅን ልኡላውነት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ውልቃዊ ክብረቶምን ሰብኣዊ መዓርጎምን መሰላቶምን ንምጉንጻፍ ዘኽእሎም ብሕጊ ዝተዋሕሰ ፖለቲካዊ ጽላል ከም ማለት ገይርና ንምርድኡ ይግባኣና እዩ።

(25) ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ደጊም ንእልቢ ዘይብሎም ውሽጣዊ ጸገማትና ናይ ወጻኢ ተሓታቲ ክደልየሎም ይኹን ዓባቢጡ ንምፍትሖም ከደናጒ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ክመጽእ ምዃኑ ክክሓድ ከቶ ዘይክኣል ሓቂ እዩ። ኣብ ዞባና ዘሎ ቅልጡፍ ለውጥን ኣብ ሃገርና ዘሎ ድጒል ኩነታትን ብምንጽጻር፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ንምፍታሕ ዘኽእልዎ መንገድታት ኣብ ምልላይ ሓባራዊ ርድኢት ክፈጥር ክኢሉ ኣሎ። ኣብ ደገ ዘለና ኤርትራውያን ንፍልልያትና ንምፍታሕ ዘኽእል ምኽርን ናይ ዕርቒ ጥበብን ኣይጸንሓናን። ስለዚ እምበኣር፡ ፍልልያና ብዘተን ዕርቅን ከነደቅስ፡ንሓድሕድና ብርህራሄ፡ብሕውነት፡ብምንሕሓፍን ብምክብባርን ክንዋሳሳእ፡ሓባራዊ ርድኢትን መርገጽን ክንፈጥር ከም ቀዳምነትና ጸብጺብና ዓቲብና ክንጽዕት ግዲ ይኾነና እዩ።

(26) እዚ ንብዙሕነትና ይዂን ንድግነትናን ባህላዊ ጭውነትናን ብፍጹም ዘይውክል ስርዓት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣንቂዱ ብሜላ ዜግነታዊ መሰል ናይ ኲሉ ወገን ህዝብና ገፊፉን ኣሕሲሩን እዩ። ሃገርና ዘካይዱ ዘለዉ ኢሳይያስን ውሑዳት ኣርድእቱን፡ ንብዙሕነትና፡ ክብርታትናን ሃገራዊ ባህግናን ዘየንጸባርቁን ዘይገጥሙን ዘይቀድዉን ዕድመ ዝደፍኡ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ጁንታ እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ’ዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከበሳኡ ይዂን መታሕቱ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ግፍዕን ሰቖቃን ኮይኑ፡ ኣብ ልቡ ዝመልኣሉ ከየምልኽ ተኸልኪሉ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ተጋሂሱ፡ ገለ ክፋላት ህዝብና ድማ ብዝደልይዎ ብሄራዊን ቋንቋዊን መርቊሒ ከይፍለጡን ከይስመዩን ተኸሊክሎም እንርኢ ዘለና። ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምትፍናናን ተሪር ዘይምቅዳውን ኣብ ዘዝተኸስተሉ ግዜ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም፡ ሕፉራት ዓበይቲ ዓዲ ኣቦታትን ኣደታትን
ሃይማኖታዊያንን ፖለቲካዊያንን መራሕቲን ነገር ከደቅሱን ሃገራዊ ዕርቂ ከስፍኑን ክጽዕቱ ጸኒሖም እዮም። ንጻዕሮምን ጻውዒቶምን እናሞጎስና ካልኦት ክጽንበሩዎም እውን ነተባብዕ። ኩላትና ካብ ምሽቓል ሓሊፍና ሃገራዊ ዕርቂ ክውን ንኪኸውን መገዲ ክንደልን፡ ምረትን ስቓይን ህዝብና ብሕድገትን ይቕሬታን ክሓውን ክፍወስን አእጃምና ክንገብር ድማ ይግባእ።

(27) ዝተነጸሉ ወገናት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ሃገርና ማዕረ ሰቦም እጃሞም ከበርክቱ ዕድል ክወሃቦም ግቡእ እዩ። ነዚ ንምጥጣሕ ድማ ብክፉት ልብን ብጸንባሪ መንፈስን ንቅሬታኦምን ፍሉይ ሽግራቶምን ቶሎ ኢልና ዕቱብ ኣተኲሮ ክንህብን ምስቲ ኣብ ንሓድሕና ክርከብ ዝኽእል ዘይምቅብባልን ናይ ተወጻዕኩ ስምዕታን ድማ ብዘይሸለልታ ክንጸምድን ኣለና። እዚ ሕድሕድ ምምኽኻርን ጽምዶን፡ፍሉይ ወጽዓ ንዘለዎም ዝተገለሉ ወገናትና ናይ ዋንነት ስምዒት ዝፈጥር እምበር ንይምሰል ዝግበር ተዋስኦን ምውስዋስን ኮይኑ ከይርከብ ሓቀኛ ጻዕሪ ከድልዮ እዩ። ኣብ መጠረሽታ፡ ኣብ ኤርትራ ሓደ ወገን ምርኡይ ቀዳማይ ዜጋ ካልእ ወገን ድማ ግሉል ካልኣይ ዜጋ ዝብሃል ምክፍፋል ክህሉ ከምዘይግባእ ክንኣምኖን ብግብርናን ብዕዮናን ድማ ከነመስክሮ ዝግባእ መትከል ምዃኑ ክንፈልጥ ዝግብኣና እዩ። ብተወሳኺ፡ባህላዊ ብዙሕነት ንዘለዎ ሕብረተሰብ ዝቀዱ ፖለቲካዊ መትከላትን መርገጽታትን ኣደባትን ክንኩስኩስ፡ ትዕቢትን ዕብለላን ተጻይ ዘላቂ ሰላምን ውህደትን ምዃኑ ክንግዘብ ክንርዳእ ኣለና።

(28) ዝያዳ ዝኾነ ወገን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ዕዮ ፊተውራሪ ኮይኖም ክመርሑ ብቅዓትን ኣኻእሎን ዘለዎም እቶም ሰፍ ዘይብል ብድሆታት እናጸሩ ሃገሮም ዘይሓደጉ ውፉያት፡ብልህታትን ለባማትን መንሰያትና እዮም። ተራ ናይዞም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን እምበኣር ንምሕያሎምን መስርሕ ለውጢ ንምቅልጣፍን ዘድሊ ንዋታዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ዜናዊ፡ሞራላዊን ሓሳባዊን ደገፋት ምሃብ እዩ።

(29) እቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ሕዱር ጸገማት ድሕሪ ምቅርራባት ኤርትራን ኢትዮጵያን መሊሱ እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ህዝቡ ንዝተበገሰ ናይ ለውጢ ጠለባት ክምልሽ ቆሪጹ ዝተላዕለ ምዃኑ ይነግር ካብ ሃለወ፡ሞራላዊ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ፡ምስቲ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ይደናገጽን ይደጋገፍን ምዃኑ ግልጺ ኣይገበረን። ካብዚ ዝገደደ ድማ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ከይሓነኸ ክንእድን ክዂሓሕልን ከምኡ ድማ ኣብ ሓያለ ኢትዮጵያውያን ኣስኪሉ ዝጸንሐ ኤርትራን ባሕራን ንስለ ባህርያዊ፡ ታሪኻዊን ሕጋዊን ምኽንያታት ትግብኣና እያ ዝብል ሃጸያዊ ስምዒታትን ዲስኩርን ክቅስቅስን ነዚ ጉዳይ ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ሸቶኦም ገይሮም ዝንቀሳቀሱ ጥሩፋት ወገናትን ክጻወርን ጸኒሑን ኣሎን።

(30) ይኹን እምበር እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ምቅርራርብን ሰላምን ሃዋሁ ዝፈጥሮ ዕድላት’ውን ኣሎ እዩ። እዚ መስርሕ፡ ናብ ሰፊሕ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምትሕግጋዝ ዘኽእል፡ ብድሌትን ንጡፍ ተሳትፎን ክልቲኡ ኣህዛብ ዝድፋእ ሓባራዊ ሞዕባለ፡ ፍትሒ፡ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዘውሕስ ምትእስሳራት ክፈሪ ዝኽእል ተኽእሎ ዝሓቆፈ እዩ። እዚ ተኽሎታት ክግሃድን፡ዘላቅነቱ ክረጋገጽን እንተኮይኑ ግና ህዝቢ ብቅዉም-ነገር ክሳተፎን ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ንካልኦት ሃገራትን ህዝብታትን ዞባና ክጽንብርን ኣለዎ።

(31) ድሕሪ ምቅርራባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ገለ ኣባላት በርጌሳዊ ማሕበራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ምፍጣር ተኻኢሉስ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ነዚ ዕድል ብምጥቃም፡ ብንጥፈት ዝዋስኡ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን ውድባትን ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ንመዘናታቶም ኢትዮጵያውያን ብቀጻሊ ክሕብሩን ከረድኡን ተስፋና ንገልጽ። ኣብዚ ዝሰላሰል ዘሎ ዞባዊ ምቅርራባትን: ስርርዓትን: ድሕነትን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ከም ዘይውሃቦ ንጹር እናኾነ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ኢትዮጵያውያን ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ነዚ ዘስካሕክሕ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቦም ክሕብሩን ከረድኡን ንምሕጸን። ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓድሕዱ ፍጹም ዘይቃዶ፡ በቲ ሓደ ኢድ ኣብ ሃገሩ ዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ዘተባብዕ በቲ ኻልእ ድማ ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ንዲሞክራስን ፖለቲካዊ ብዙሕነትን ዝጻረር ምልካዊ ስርዓት ዝድግፍን መርገጺኡ ብትሪ ክብዳህ ኣለዎ። እዚ ናይ ምቅርራብን ሰላምን ሃዋሁ ንኤርትራውያን በርጌሳዊያን ማሕበራት ኣድማዒ ህዝባዊ ምልዕዓልን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዘኽእል መንገዲ ክንቀስም ዕድል ዝፈጥር እዩ።

(32) ከም ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ህዝብታት፡ ምስዞም ሕጂ ኣብ ሱዳን ንድሕሪት ክምለስ ዘይክእል ቃልሲ ብምክያድ፡መሰረታዊ ለውጢ ዘረጋግጹን ፖለቲካዊ ስርዓት ዝቕይሩን ዘለው ሱዳናውያን አሕዋትን ኣሓትን፡ ጥቡቕ ዝኾነ ሓባራዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ይዂን ታሪኻዊን ፖለቲካውን ባህላውን ዝምድናታት ኣለና። ስለዚ ድማ፡ ኣብዚ ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ሃለዋት ናብ ካልእ ዝሰጋገርሉ ዘለዉ እዋን ምስኦም ክንተሓባበርን ካብ ተመክሮኦም ክንምሃርን ከድልየና እዩ። ክሳብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭቡጥ ዝኾነ ምትእስሳራት ዝፍጠር ድማ ንለውጥን ዲሞክራስን ዝጽውዕ ጠለባቶም ብንኽእሎ ኣገባብ ድጋፍና ክንገልጽን ዝተበራበረ ሓይሊ ዜጋታት እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ኣድቂቅና ትዕዝብቲ ክንወስድን ይግባእ። ኣብ ጂቡትን ሶማልን ካልኦት ሃገራትን ምስ ዘለው በርጌሳውያን ማሕበራት’ውን ተመሳሳሊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክንፈጥር ኣለና።

መደምደምታ/ ለበዋታት

(33) ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ህግደፍን ብረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ፍጹም ግዲ የብሎምን።

(34) ከም ህዝቢ፡ዛጊት ንብድሆታትናን ከቢድ ሽግራትናን ንምፍታሕ ብዝበቅዕ ኣገባብ ክንዓዪ ኣይጸናሕናን። ነቲ ክንገብሮ እንደሊ ብዘኽእል መጠን ኲሉ ዓቅምና ኣየኽተትናን፡ ኣይወደብናን። ንጠለባትን ትጽቢታትን ህዝቢ ኤርትራ ክምልሽ ዝኽእል ስርዓተ-ሕጊን መንግስታዊ ስርርዓትን ከመይ ኪኸውን ከም እንደልዮን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዘላቂ ሰላምን ርግኣትን ከስፍን ዝበቅዕ ዝበለጸ ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣወዳድባታትን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎን ኩላትና እንሰማማዓሉ ርጡብ ምላሽ ኣይሃብናሉን። ነዚ ሕቶታትን ብድሆታትን ንምግጣም እምበኣር፡ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያውያንን፡ ንብዙሕነት ቋንቋና፡ ንታሪኻዊ ሓድግታትና፡ ንሃይማኖታዊ እምነታትናን ኻልእ መንነታዊ መሳርዕናን ኣብ ግምት ዘአቱ ቅዋማዊ ስርዓት ንምክንዋን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንዜግነታዊን ሞያውን ሓላፍነቶም ዝመጥን ተራ ክጻወቱ ይግብኦም።

(35) ኣብ ውሽጥን ወጻእን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ስርዓት ኢሳይያስ ድሕሪ ምውዳቁ ዘሎ መሰጋገሪ እዋን ርጉእን ሰለማዊን ምእንቲ ኪኸውን ብዝግባእ ክንዳሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር ነዚ ዝስዕብ ለበዋታት ነመሓላልፍ፥

ሀ) ረብሓ ህዝብና ማእከል ንዝገበረ ዝበለጸ መብጽዓታት ሰውራ ኤርትራ እሙናት ዝኾኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ፖለቲካዊ ካድረታትን፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ብሰላማዊ መገዲ ግዲ ክብሉ። መዓርጎምን ስልጣኖምን ብዘየገድስ ኣብ ምክልኻል ይኹን ስቪላዊ ትካላት ዝርከቡ፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ዝወገኑ ሰባት ጽባሕ ንግሆ ህዝቢ ኤርትራ ብሓላፍነት ከምዝሓቶም ክርድኡ ይግባእ። ኣብዝኾነ ዝለዓል ጉዳይ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ምስ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብልን ናብ አሕዋቱ ጠበንጃ ከየቕንዕን ንጽውዕ።

ለ) ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተቓውሞ ናእዳና እናገለጽና ክብሪ እናሃብናን፡ ከምቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን “ይኣከል!” ብዝብል ሓደ ድምጺ ዝተላዕሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ተቓወምቲ ዜጋታት “እምቢ ንምልኪ!” ብምባል ህዝባዊ ተቓውሞን ኣብያን ከካይዱ ንጽውዕ። ኩሎም ኤርትራውያን ብሓባር፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ንምዕባለን ዕቤትን ሃገር ዘረጋግጽን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት ክጽዕቱ ንጽውዕ።

ሐ) ኤርትራውያን ምሁራት ሕጊ፡ ሃገርና ከሳቂ ዝጸንሐ ብኩራት ልዕልነት ሕጊ ንምፍዋስ፡ ብሓፈሻ ነቲ ድሕሪ ምልኪ ክንምስርቶ እንሕልን ዘሎና ቅዋማዊ ትካላት ዘገልግል፡ ብፍላይ ድማ ን 1) ሕጊ ባይቶ 2) ፈራዲ ኣካል 3) ቤት ጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ 4) ኦዲተር ጀነራል 5) ሃገራዊ ባንከ 6) ኮሚሽን ምርጫ 7)ሕጊ ምርጫ 8) ኮምሽን ስቪካዊ ኣገልግሎት 9) ሕጊ ፕረስን ዝኸውን ንድፊ ሕግታት ንኸሳናድዉ ካብ ሎሚ ኣትሒዞም ዕቱብ ምድላዋት ክገብሩ ንጽውዕ። ብተወሳኺ፡ ስርሓትን መዝን ሓይልታት ፖሊስ፤ ጸጥታ፤ምክልኻልን ሰቪካዊ ኣካላትን ዝገዝኡ ሕጋዊ መዋቅራትን መትከላትን ኣብ ምንጻር ክተሓጋገዙ ድሉዋት ኮይኖም ክጸንሑ ንላቦ።

መ) ኤርትራውያን ክኢላታት ሕጊ፡ ስነ-ቁጠባ፡ ሓካይም፡ ሸቃሎ፡ መምህራን፡ካልኦት ሞያውያንን ተመሃሮን በብዓውዶም ኣብ ማሕበራት ክወዳደቡን ነቲ ኣብ ሃገርና ምምጽኡ ዘይተርፎ ለውጥን መሰጋገሪ መድረኽን ክዳለዉን ንጽውዕ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ሃገርና ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብ ሞያ ኤርትራውያን፡ ኣኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ህዝቢ ኣንጻር ምልኪ ደው ንኽብል ከንቅሑ፡ ከምህሩ፡ክውድቡን ከተባብዑን ንጽውዕ።

ረ) ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ኣንጻር ስርዓት ኢሳይያስ ምሉእ ጽዓቶምን ክእለቶምን ከስለፉን ክውድቡን፡ ንኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ጽልዋ ክህልዎም ንዝኽእል ሰባትን ትካላትን ብቀጻልን ብስርዓትን ከስምዑን ከረድኡን ብልዑል ቁጽሪ ኣንጻር እቲ ስርዓት ሰልፊ ክወጽኡን ንጽውዕ። ብተወሳኺ ንስርዓት ኢሳይያስ ካብ እቶት ዜጋታት ዝኽፈል ናይ ክልተ ሚእታዊት (2%) ግብሪ ኣጽኒዖም ክቋወሙን ነተሓሳስብ።

ሰ) ከምቲ ኣብ ደገ ዝቅመጡ ሱዳናውያንን ኢትዮጵያውያንን ምልካውያን ስርዓታት ንምእላይ ኣብ ሃገሮም ዝካየድ ዝነበረን ዘሎን ቃልስታት ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱን ዝጻወቱ ዘለዉን፡ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገር ዝርከብ ህዝብና ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝልዓለሉ ህሞት ብኲሉ ጉልበትናን ልብናን ከምእንሰምሮን እንድግፎን መብጸዓ ክንኣቱ ኣለና።

ሸ) ከም ኣብ ኲሉ ሰውራዊ ምንቅስቓስ ዝኸውን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ኣለዎም። ግዜ ከይወሰዱ ንእለቱ ክልዓሉን ቀንዴል ሓርነቶም ካብ ኢድ ጸቀጥቶም መንዚዖም ንዕኦምን ንወለዶን ዝኸውን ታሪኽ ክሰርሑን ኣበርቲዕና ነተባብዕ።

ቀ) ማዕከናት ዜና ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ምስራጽን ትካላዊ ሰብነት ከም ዝህልዎ ኣብ ምግባርን፡ ምልክን መለኽትን ኣብ ምስዓርን ዝሕግዝ ብርቱዕ መሳርሒ እዩ። ስለዚ ድማ’ዮም መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ፕሮፖጋንዳን ሳንሱርን መጠን ዘይብሉ ባ ት ዝስልዑ። ዛጊት ኣብ ወጻኢ ዘሎ ብተቃለስቲ ፍትሒ ዝካየዳ ማዕከናት ዜና በብውልቀን እምበር፡ ነንሓድሕደን እናተመላልኣ ብሓባር ክሰርሓ ኣይጸንሓን። በዚ ድማ ሓቢርካ ካብ ምስራሕ ክርከብ ዝኽእል ዝነበረ ሓይልን ኣድማዕነትን ክኽሰር ጸኒሑ እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምታው፡ ኲለን እዘን ብዓብዪ ትግሃት ተቃለስቲ ፍትሒ ክካየዳ ዝጸንሓ ናይ ሚድያ ትካላት ሕድሕደን ዝተሓጋገዛሉ መንገዲ ንምንዳይ ክዛተያ እዋኑ ዝጠልቦ ግዴታ እዩ። ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብግዴኦም ዋንነት ተሰሚዕዎም ብንዋት፡ ብገንዘብን ብሓሳብን ከሐይልወን ዝከኣሎም ክገብሩ ኣምሪርና ንላቦ።

ቐ) ነቶም ብመሃዝነትን ውዕዉዕ ወኒን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ህዝባዊ ምንቅስቃስን ወፍርን ዝተጸምበሩ ሓያለ ስነ-ጥበባውያንና እናሞጎስና፡ ንህላወና ብረቂቕ ዝገልጽ፡ ንቃልስና ፍናን ዝህብ፡ ንህዝብና ዘበራብር፡ ንባህግናን ሕልምታትናን ዘንጸባርቅ ዕቱብ ዕዮ-ጥበብ ኣብ ምፍራይ ናይ ሓይሎም ዝያዳ ክሰርሑ ነዘኻኽር። ኣብ ኣፋዊ ሕብረተሰብ፡ ካብ ምሁራት ንላዕሊ ዝያዳ ስነ-ጥበባውያን ሓፋሽ ኣብ ምልዕዓልን ኣብ ምጽላውን ዝዓበየ ተራ ኣለዎም። ነዚ ተገንዚቦም፡ ስነ-ጥበባውያንና ዓቕሞምን ክእለቶምን ንምውህሃድ ክራኸቡን ሓቢሮም ክሰርሑን፤ ህዝቢ ከኣ ንተበግሶኦም ክድግፎን ክምውሎን ሞራላውን ታሪኻውን ግዴታኡ ከልዕል ንጽውዕ።

በ) ኣብ ሱዳንን ኢትዮጰያንን ካብ ዝተገብረ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ክንመሃር፡ ምስኡ ዘለና ምሕዝነትን ምድንጋጽን ክንገልጽን ምስ ኣለይቱ ውልቀሰባትን ማሕበራትን ምትእስሳራት ክንምስርትን ኣለና። ኣብ ኩሉ ዓውድታትን ጽላትን — ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት ምሰ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ምሁራት ምስ ምሁራት፡ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ምስ መዘናታቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ— ስግረ-ዶባዊ ርክባትን ምትሕብባራትን ክንፈጥር ኣለና።

ቨ) መንግስታት ኤውሮጳ፡ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዕቁባ ጽላል ዘድልዮም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ሓቀኛ ስደተኛታት ምዃኖም ኣፍልጦ ክህባ፡ ንፖለቲካዊ ሕሳባተን ልዕሊ መሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ምስራዕ ደው ከብላን ንተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክከላኸላን ንጽውዕ። ነቶም ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሻረኹ ዘለው ዞባውያን ሓይልታት ድማ ንዝምድንኦም ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ነተሓሳስብ።

ተ) ኣህጉራዊ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረት ብይን ኮምሽን ዶብ ግዜ ከይወሰደ ኣብ ባይታ ክምልከት፡ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ ከይተፈትሐ ዝጸንሐ ጉዳያት ብመሰረት ቅቡል ኣህጉራዊ ሕግን ስምምዓትን ክፍታሕ እናጸዋዕናን ንምግሃዱ እናሰራሕናን፡ እዚ ሕጂ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ፡ ተ ሚሩ ዘሎ ምቅርራባትን ናይ ሰላም ስምምዓትን ንድሕሪት ከይምለስ ክንከላኸለሉን ክንድግፎን ይግባእ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝትንኪ ምስ ካልኦት ሃገራትን ትካላትን ዝግበር ዝኾነ ይዂን ስምምዓት ትሕዝትኡ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ግዜ ከይበልዐ ክንገሮን ክበርሃሉን ይግባእ።

ቸ) ባህሊ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ኣብ ዘይብለን ሃገራት መሰጋገሪ እዋን ዝተሓላልኸን ተሃዋስን እዩ ዝኸውን። ንኤርትራ ብዝምልከት ንመሰጋገሪ እዋን ክሓላልኹ ዝኽእሉ ክልተ ረቛሒታት ኣለው፥ ኣብ ባይታ ዘይተመልከተ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያንን ብኹረት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትግባረ ዘይወዓለ ንመሰጋገሪ እዋን ሕጋዊ መወከስን መቓንን ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ዝምነበረ ቅዋምን እዩ። ነዚ ጸገም ንምቅላል፡ ተኽእሎታት ሓደገኛ ሳዕቤናት ንምንካይን፡ ነቲ እንጋደለሉ ዘለና ለውጢ ህዝባውን ኣህጉራውን ደገፍ ንምርግጋጽ ክልተ ነገር ንእምም። ህጹጽ ምምልካት ዶባትን ቅዋማውነትን፡

ቸ.1: ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብሕሱም ዝተማሃርናዮ ሓደ ነገር እንተልዩ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትሕዞ ስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ዝወደቀ ኮይኑ ኣብ ዝተሰምዖ እዋን ኲናትን ምትፍናንን ናይ ምውላዕ ወይ ንከይውልዑ ዝኾነ ገታኢ ስጉምቲ ዘይምውሳድ ባህርያት ከም ዘለዎ እዩ። ሕጂ እውን እንተኾነ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም፡ ብዝኾነ ይዂን ምኽንያት ተመሳሳሊ ኲናት ክውልዕን ንምዕባለ ሰላም ክዘርግን ስለዝኽእል፡ንስለ ዘላቂ ሰላምን ምርግጋእን ክልቲኡ ሃገራት፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶብ ብመሰረት ስምምዕ ኣል ርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ብህጹጽ ኣብ ባይታ ክምልከት ክደፍእን ካብኡ ዝጥለብ ሕጋዊን ሞራላዊን ግዴታ ክፍጽምን ንጽውዕ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ልዕሊ ምምልካት ዶባት ምርግጋእ ኢትዮጵያ እዩ ዘገድሰና” ብዝብል ፈሊጥን ምኽኒትን ጉዳይ ዶብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከይዓርፍ ንምድንጓዩ ዝወሰዶ መርገጺ ምስምማዑ ድማ ንኽልቲአን ሃገራት ዘየርብሕን ሓጺር ዝጠመተን መርገጺ ምዃኑ ነዘኻኽር።

ቸ.2: ጉዳይ ቅዋማውነት ሓደ ካብቲ ህዝብና ብዓምዪቅ ልቦና፡ኣርሒቁ ብዝጠመተ ራኢ፡ብመንፈስ ዕርቅን ምንሕሓፍን ክሕዞ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ። ንቅዋም 1997 ብዘርኢ፡ኣብ መንጎ ህዝብና ዕቱብን ሸለል ክብሃል ዘይግብኦን ዘይክኣልን ፍልልያት ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንቅዋም 1997 ስቪላዊ ሓርነታትን መሰላትን ዘውሕስን ዝከላኸልን ሓያል ዓናቅጽ ዘለዎ፡ ኣብ ምንዳፉ ኣማእት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዕቱብን ብዋንነትን ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ንምምጻእ ንዝተገብሩ ከም ናይ ጉጅለ-15ን ስርሒት ፎርቶን ዝኣመሰሉ ምንቅስቃሳት ድርኺትን መወከስን ዝኾነ ብሉጽ ሕጋዊ ሰነድ ገይሮም ዝጥምትዎን ዘኽብርዎን ኣለዉ።ብኣንጻር’ዚ፡ ብዙሓት ካልኦት ኤርትራውያን፡እቲ ቅዋም ክንደፍ እንከሎ ኣግላሊ ከም ዝነበረ፡ መንፈሱን ትሕዝትኡን ንክብርታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ጥራይ ከም ዘንጸባርቅ፡ ንጉዳይ ቋንቋ፡ ባንዴራ፡ ዋንነት መሬት፡ቅርጺ መንግስቲ ዝትንኪ ዓናቅጻቱ ድማ ዕቱብ ኣበር ከም ዘለዎን ዝኣምኑ ኣለዉ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እዚ ደገፍን ተቓውሞን፡ምስቲ ኣብ ህዝብና ዝርከብ ሃይማኖታዊን ጂኦግራፍያዊን (ምስልምናን ክርስትናን፡ መታሕትን ከበሳን) ፍልልያት ስለ ዝገጥም፡ እቲ ጉዳይ ተሃዋሲ እዩ። ኣቀዲምና ከም ዘመልከትናዮ፡ ቅዋም 1997 “ተደለኻ ተቐበሎ እንተዘይደለኻ ጠንጥኖ” ብዘስምዕ ናይ ድርቅና ኣገባብ ከተስገድዶ ወይ ድማ ብኣንጻሩ ሓንቲ ከም ዘይረብሕ ገይርካ ክትጽየኖን ዝክኣልን ዝሰርሕን ኣይኮነን። እቲ ዝሰርሕን ዘሰጉምንሲ ክልቲኣቶም ወገናት ገለ ሕድገታት ብምግባር ማእከላይ መንገዲ ሃሰው እንተበሉ እዩ።

ቸ.3፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘመልከትናዮ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር፡ ንቅዋም 1997 ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ጥራይ ከም ዝለዓለ ሕጋዊ ሰነድን መወከስን ክንርእዮን ክንጥቀመሉን ንእምም። እዚ እንብለሉ ዘለና ኣውራ ምኽንያት፡ንሰለማዊ ምስጋግር ስልጣን ዕዉት ኮይኑ ንክወጽእ ካብ ዘለና ድልየትን፡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ክመርሑ እንጽበዮም ዘለና ስቪል ይዂኑ ኣብ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን ዝርከቡ ዜጋታትና ዘኽብርዎን ንመሰጋገሪ መድረኽ ዘገልግል ዝለዓለ ሕጋዊ ሰነድን መወከስን እንተድኣ ዘይሃልዩ ዕግርግርን ግጭትን ክፍጠር ዓቢ ዕድል ኣሎ ኢልና ስለ እንሰግእን እዩ። ድሕሪ ዕዉትን ሰላማዊን ናይ ምስግጋር መድረኽ፡ ህዝብና እንተደለየ ብኸፊል ንገለ ዓናቅጽ እንተዘይደለየ ድማ ብጃምላ ንብምልኡ ነቲ ቅዋም ናይ ምምሕያሽ ወይ ናይ ምትካእ መሰል ስለዘለዎ።

(36) ድሕነትን ዕቤትን ኤርትራ ዝረጋገጽ፡ ንሃገርና ካብ ሞቑሕ መላኺ ኣውጺእና፡ ዕርቀ ሰላም አሕዋት ኣዊጅና ብዝቐልጠፈ ፍትሓዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ምስ እንገብር ጥራሕ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ነዚ ጋህዲ ንምግባር ኲልና ሓቢርና ክንዕጠቀሉ እንኽልን ዘለናን ባዕላትና ኤርትራውያን ጥራይ ኢና። እቲ እንደልዮ ዘለና ለውጢ ድማ ዕደመን ጾታን፡ ሃይማኖትን እምነትን፡ ዘርእን ዓሌትን፡ ዞባን ጂኦግራፍን ከይፈለየ ወሰን ኢሉ ንኲሉ ኤርትራዊ/ት ዘርብሕ ኪኸውን እዩ።

ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ንሰማእታትና!
ርሑስ በዓል ናጽነት ንመላእ ህዝብና!

  1. ዓንዶም ገብረጊዮርጊስ፡ ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
  2. ኣስያ ዓብዱልቃድር፡ ናይሮቢ፡ ከንያ
  3. ኣሰፋው ተኸስተ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
  4. ዓወት ተ. ወልደሚካኤል፡ ኦንተርዮ፡ ካናዳ
  5. በረኸት ብርሃነ ወልድኣብ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኢትዮጵያ
  6. ሃብተኣብ የማነ ዑቅባዝጊ፡ በርን፡ ስዊዘርላንድ
  7. ከድጃ ዓሊ መሓመድ ኑር፡ ላንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ
  8. ሜሮን ሰመዳር፣ ካሊፎርንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
  9. ጳውሎስ ተስፋግዮርጊስ፡ ኦንተርዮ፡ ካናዳ
  10. ሳቢን መሓመድ፡ ጎቲንገን፡  ርመን
  11. ሳልሕ ዩኑስ፡ ፐሎ ኣልቶ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
  12. ሳሙኤል እምሃ ጸጋይ፡ኦንተርዮ፡ ካናዳ
  13. ሳራ ዑቅባይ፡ ማንቸስተር፡ ዓባይ ብሪጣንያ
  14. ወልደልኡል ቀላቲ ድራር፣ ማቸራታ፡ ኢጣልያ
  15. ቫነሳ ጸሃየ፡ ላንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ
  16. ወጅዳን ዑስማን፡ ኦታዋ፡ ካናዳ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *