Neither breaking, nor news

ጽንሰ-ሓሳብ ምቛም ሓድነታዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ፣ መስርሓቱን ትጽቢት ዝግብረሉ ውጺኢታትን

1.ንምምስራት ሓድነታዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ዝደፍኡ ቀንዲ ምኽንያታት

1.1 ሕጋዊ ምኽንያታት

ሀ. ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንኤርትራ ሓራ ገይሩ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ምምሕዳሩ ምስ ተኸለን ኣደልደለን፣  ንኣቃውማን ስልጣንን ዕማማትን ስራሕን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዘነጽር ኣዋጅ ቁ.23/1992 ኣውጺኡ። ኣዋጅ ቁ.23/1992 ብዘየወላውል ከም ዘመልክቶ፣ “ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ብመንገዲ ረፈረንዱም ብሕጊ ክሳብ ዘረጋግጽ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረትን፣ መሰጋገሪ መድረኽ ከምዘድሊ ብምርዳእ፣ ኣብ’ዚ መሰጋገሪ መድረኽ’ዚ… ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ንሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ብዓወት ንምምዝዛም ዝተሰከሞ ሓላፍነት ብምቕጻል፡ ድሕሪ ሓርነት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ክእውጅን ከቕውምን ሓላፍነት ኣለዎ።”

ለ. እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ መዚ፣ እቲ ብሓይሊ ብረት ንዝተረጋገጸ ናጽነትን ሃገራዊ ልዑላውነትን ኤርትራ ሕጋውነት ዘልበሰን፣ ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦን ተቀባልነትን ከም ዝህልዎ ዝገብረ ረፈረንዱም ብዓወት ምስ ተሳኽዐ ኣብቂዑ እዩ።

ሐ. ኣብ ድሮ ረፈረንዱም፣ ኣዋጅ ቁ.23/1992 ብኣዋጅ ቁ.37/1993 ተመሓይሹ። ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ቁ.37/1993 ድማ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ናብ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ተሰጋጊሩ። ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ቁ.37/1993፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳብ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ግንቦት 1997 ዝጸድቕ ንኤርትራ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ተዋሀበ። ብተወሳኺ፣ እቲ ኣዋጅ፣ ምክፍፋል ስልጣን፡ ሚዛንን ቁጽጽርን ስልጣናት ዘውሕስ ምክፍፋል መንግስታዊ መዋቃራት ስኢሉ፣ ነዚ ዘኽእል ሓደ-ህንጻዊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ናጻ ፍርዳዊ ኣካል፣ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካላት መንግስቲ ክቐውም ኣሚሙ።

መ. ቅዋም ኣብ ወርሒ ግንቦት 1997 ጸዲቁ። እንተኾነ፣ ነቲ ኣብቲ ቅዋም ብንጹር ዘይተቀመጠ፣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ወይ ዝተርጎመሉ ናይ ግዜ መቃን ዝምልከት ነጥቢ ከም ነቓዕ ብምጥቃም፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መዝነት ካብ ግንቦት 1997 ክስብ ግንቦት 1998 ንኤርትራ ኣመሓዲሩ።

ረ. ኣብ ግንቦት 1998 ዝተወለዐ ኲናት ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ንኤርትራ ኣብቲ ትሕቲ ዘይዕላዊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ግንቦት 1998 ክሳብ ታሕሳስ 2000 ከመሓድር ዕድል ሂብዎ። ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ 2002 ድሕሪ ምፍራሱ ድማ፣ እቲ ስርዓት ብምስምስ ኩነተ ኣይኲናት ኣይሰላም፣ እገዳን ዘይምትግባር ውሳኔ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መዝነት ንኤርትራ ምምሕዳር ቀጺሉ።

ሰ. እቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ከም መመሳመሲ ዝተጠቕመሉ ኩነተ “ኣይኲናት ኣይሰላም”፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ተፈራሪመን ምስ ኣብቅዐ’ውን እንተኾነ፣ ግዝኣት ሓደ ሰብ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መሰረት ይቅጽል ኣሎ።

1.2.        ፖለቲካዊ ምኽንያታት

ሀ. እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ንዘይሕጋውነት እቲ ስርዓት ዘርእዩ ሓቅታት፣ ነቲ ንመዋእላት ዝጸንሐ፡ ሓባርዊን ውልቃውን ህይወቱ ዝገዝእን ዘምሓድርን ዝተራቀቀ ያታዊ ስርዓትን ሕግታትን ዝሃነጸ ስልጡን ህዝቢ ኤርትራ ዘይምጥኑን፣ ንስልጡን ባህሉን ድግነቱን ዘዋርዱን ዝጻረሩን እዮም። ብተወሳኺ፣ እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓቅታት፣ ኣንጻር’ቶም ኣብ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር (1987) ዝጸደቀ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ፕሮግራምን፣ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር (1994) ዝተነድፈ ሃገራዊ ቻርተርን ዝርከቡ ክብርታትን መትከላትን እዮም። እዘን ክልተ ሰነዳት፣ ቅድሚ ሓርነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ድሕሪ ሓርነት ድማ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቀረባሉ መሰረታውያን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኪዳናት’የን ነይረን።

ለ. ንድሕሪት ብዙሕ ከይተመለስና፣ ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ዝተነድፈ ሃገራዊ ቻርተር፣ ዕላማ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ብዘርኢ ከምዚ ኢሉ ኣስፊርዎ ኣሎ፡

እቲ [ኣብ ኤርትራ ክህሉ ዝኾነ] ፖለቲካዊ ስርዓት፣ ኣብ ህዝቢ ዝተሰረ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዳያት ከባቢኡን ሃገሩን ዘረጋጋጽ፣ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝተሃንጸ፣ ብመትከላት ዘይምምእካል፣ ፖለቲካዊ ብዙሕነት፣ ግሉጽነት፣ ምጽውዋር፣ ተሓታትነት ራሕ፣ መሰረታዊ ናይ ፖለቲካዊ ምውዳብን ርእይቶ ምግላጽን መሰላት ዘኽብር፣ ደሞክራስያውን ብዙሓውን ኣሳታፍን ምኳኑ ምርግጋጽ

ሐ. ብተወሳኺ፣ እቲ ሃገራዊ ቻርተር ይብል፡

“መሪሕነት እኩብ ሓላፍነት ብምዃኑ፣ ብእኩብ ክግምገምን ክውሰንን ክከታተልን ዘኽእሎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ ግድን’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ስሩዕ ኣኼባታት ክህልዎን፣ እዚ ኣኼባታት’ዚ ብዕቱብ ክረአን ናይ ውሳነን ገምጋምን መድረኽ ክኸውንን ኣገዳሲ’ዩ። ከምኡ ምስ ዘይከውን፣ ሓድነት መሪሕነት ምልሕላሕ፣ ናይ እንታይ ገደሰኒ ስምዒት ምምዕባል፣ ብእኩብ ክውሰድ ዝምረጽ ውሳነ ብውልቂ ምውሳድን ካልእ ጉድለታትን ይስዕብ።”

እንተኾነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ-ዘመን ህግደፍ ንመብጽዓታትን ራእይን ሃገራዊ ቻርተር ዝመጥን ኮይኑ’ዩ ኣይጸንሐን። ኣሽንኳይ ንመብጽዓታቱን ራኢታቱ በቂዑ ክርከብስ፣ ፖሊስታት ዘርቅቅን ግብራዊ ዕማማት ዘሰላስልን መዋቕራቱ ዝቆነቆነን ዝተባሕጎገን፣ ንገዛእ-ነብሱ ናብ ምትሃት ናይቲ ቀደም ዝነበሮ ፖለቲካዊን ውድባዊን ቁመና ዘውረደ ‘ውድብ’ ኮይኑ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ውድብ፣ መሳርሒ ድልየታትን ዊንታን ፋሉልነትን ናይ ሓደ ዓላዊ ውልቀሰብ  ኮይኑ’ዩ ዝርከብ ዘሎ።

መ. ካብ መፈለምታኡ፣ እቲ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ፣ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ትርጉም ዘለዎ ተሳተፍነትን ምጽውዋርን ዝምርኮስ፣ ባብ ሓዲሽ ዘመነ-ዕርቅን፣ ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ክኸፍት’ዩ። ስለ’ዚ ድማ እዩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ ኣብ 1991 ድሕሪኡን፣ ንኻልኦት ሃገራውያን ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጓንዩ ንበይኑ ጥራይ ዝብሕቶ መንግስቲ ከቅውም ትጽቢት ዘይነበረ። ንሃገራዊ ናጽነቱ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ፣ እዚ ሓንሳብ ምስ ተናሕፈ ንሰላሳ ዓመታት ቀጺሉ ዝርከብ “ዝሰዓረ ኩሉ’ግብት” ዝብል ኣረእኣእያ ከመጽእ እዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮን።

ረ. ዘይሕጋዊ ግበታ ስልጣን ብሓደ ዓለወኛ ሰብኣይ፣ ብኩራት ግዝኣተ-ሕጊን ናጻ ፖለቲካዊ መድረኽን ኣኸቲሉ፡ ፍጹም ፍርሕን፣ ዘይተሓታትነትን ሰፊኑ።  እዚ ሓቂ’ዚ ብዝተፈላለዩ፣ ከም መርማሪት ኮምሽን ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ህዩማን ራይትስ ዎች ወዘተ ዝኣመሰላ ኣካላት ዘዳለውኦ፣ ዘይሻራዊ ጸብጻባት ተረጋጊጹ እዩ።

ሰ. ኣብ 2020 ዓመተ-ምሕረት፣ ኤርትራ  ንናጽነት ፕረስ ብዘርኢ ካብ 180 ሃገራት መበል 178፣ ንብልሽውናን ግሉጽነትን ብዘርኢ ካብ 198 ሃገራት መበል 193፣ ንሰናይ ምሕደራ ብዘርኢ ንደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ጥራይ በሊጻ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ መበል 52 ተሰሪዓ’ያ።

ሸ. ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ሓቅታት ንምብዳህ ያኢ፣ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ግብሪ ዘየውዓሎም ኣብ ከብሕታት ብዓለባ ሳሬት ዝጥቅሩ ዘለዉ ሕግታት ይጠቅስ እዩ። ንኣብነት፣ እቲ ስርዓት፣ ብስእነት ሰናይ ምሕደራን፣ ሓቀኛ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሓት ብዘይምፍቃዱ ክውቀስ እንከሎ፣ ንኣቃውማ ዞባዊ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ዝወጸ ኣዋጅ ቁ. 86/1996 (ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ቁ. 26/1992) ወትሩ ምስ ጠቀሰ’ዩ። ካድረታትን ወከልትን እቲ ስርዓት፣ ህግደፍ ብሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ስእነት ሕጋዊ ተሓታትነትን ኣብ ዝኽሰሰሉ ግዜ፣ ነቲ ኣብ 2015 ዝወጸ ገበናዊ ሕጊን ገበናዊ ስርዓትን፣ ሲቪላዊ ሕጊን ሲቪላዊ ስርዓትን ሃገረ-ኤርትራ ይጠቅሱ’ዮም። ዋላ’ኳ እዚ ክልተ ሰነዳት ዓብዪን ብሉጽን ትሕዝቶ እንተለዎም፣ ስርዓት ህግደፍ ንትሕዝትኦም ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ንፈውሲ ማሕላ’ውን ፈቲኑ ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ መጻኢ ንምትርጓሙ’ውን ፍጹም ድልየት የብሉን። ብሰሪ’ዚ ድማ፣ ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ሰፊሮም ዘለዉ ዕላማታትን ራእይን ኣብ ዕለታዊ ናብራ ተራ ኤርትራውያን ዜጋታትን ብፍጹም ኣይንጸባረቁን እዮም። መሪሕነትን ምምሕዳርን ካብ ላዕሊ፣ ብሌላን ጒሌላን ኣብ ህዝቢ ዝተስገደዱን ዝተስየሙን እዮም። መሰረታውያን መሰላትን ሓርነታትን ዜጋታት ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ኣገባባትን ከመ-ወዝቢን ብሰፊሕን ክግሃሱን ክቅንጡኡን ጸኒሖምን ኣለዉን።

ቀ. ብተወሳኺ፣ ስርዓት ህግደፍ ንመሰረታውያን መትከላትን ዓናቅጽን ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቁ. 5/1995 ብምጥሓስ፣ ንመንሰያት ኤርትራ ኣብ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብምዕስካር፣ ውልቃዊ ህይወቶም ከይሃንጹን ከይሰርዑን ኮኒንዎም ይርከብ። እዚ ከይኣክል፣ ንምፍራም ስምምዕ ሰላምን ሕውነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ፣ “ሰላም ንምርግጋእ” ብዝብል ምኽንያት፣ እቲ ስርዓት ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምትእትታው ብምክያድ፣ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ንሓደጋ ኣቃሊዑ ኣሎ።

በ. ኤርትራ ናጽነታ ካብ ትረክብ ንነጀው፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ንመንሰያት ኤርትራ ኣብ ኣርባዕተ ትርጉም ዘይብሉን ክውገድ ዝነበሮን ዝኽልን ኲናት ጠቢስውም እዩ። ብግብራዊ መስፈሪታት፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣በዚ ናይ ሕጂ ወተሃደራዊ ዕንደርኡ፣ ንኤርትራ ብዘይዝኾነ ህዝባዊ ፍቃድ፣ ናብቲ ኣሽሓት ከፊላ ዝተገላገለትሉ ክሊ ዓንኬል ኮንፈደረሽን ኢትዮጵያ ጸንቢርዋ ይርከብ።

1.3.        ማሕበረ-ምጣነሃብታዊ ምኽንያታት

ሀ. ስርዓት ኢሳይያስ መትከላት ርእሰ-ምርኮሳ ዝሰረቱ፣ ገስጋሳዊ ማሕበረ-ምጣነሃብታዊ ፖሊሲ ከም ዝኽተልን፣ ኣብዚ መዳይ ድማ ገዚፍ ዓወት ከም ዝተጎናጸፈን እዩ ዝከራኸር። እንተኾነ፣ እቲ ስርዓት ብሰሪ ዘለዎ ሕሉፍ ናይ ምምስጣርን ዘይግሉጽነትን ባህሊ፣ ነቲ ኣብ ማሕበረ-ምጣነሃብታዊ መዳያት ኣመዝጊበዮ ዝብሎ ዓወታታት ከመሳኽር ዝኽእል ጻልጣ ሓበሬታ ንምርካብ ቀሊል ኣይኮነን። እቶም ሓበሬታታት ዘግህድዎን ዝሓብእዎን ሓቅታት ብዘየገድስ፣ ዕለታዊ ንብረትን ሃለዋትን ተራ ኤርትራውያን ዜጋታት ግን ኣይሕሱን እዩ። ብግብሪ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘተኣታተዎ ናይ ኩፖን ቁጠባ፣ ንዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ምጽወታ ከም ዝምርኮሱ ገይርዎም እዩ። ዓጸቦ፣ ኣብ መንጎ ህጻናትን ኣረገውትን ጥራይ ከይተሓጽረ፣ ነቶም ኣብ ወትሃደራዊ ዕስክርና ብግዲ ተታሒዞም ዘለዉ መንሰያት’ውን ብሰፊሑ ከጥቅዖም ጸኒሑን ኣሎን። ዝበዝሓ ስድራቤታት ብድኽነትን ቁጠባዊ ብትከትን ተሃስየን እየን። ብግደ ሓቂ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ኣብ ስደት ብዝነብሩ ኤርትራውያን ዝስደድ ናይ ሓዋላ ገንዘብ፣ ብዙሕ ካብ ህዝብና ግዳይ ጥምየትን ዓጸቦን ምኾነ ነይሩ። እዚ ሕሱም ኩነታት ንብረት ኤርትራውያን ዜጋታት፣ በቲ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19 ንምግታእ ተባሂሉ ብመንግስቲ ካብ ሚያዝያ 2020 ክሳብ መጋቢት 2021 ዝተኣወጆ ፍጹም “ዕጽዋን ምርጋጥን” ተጋዲዱ እዩ።

ለ. ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ማሕበረ-ምጣነሃብታዊ ኩነታት መብርሂ ዝኸውን ገለ ሓቅታትን ሓበሬታትን ክንጠቅስ። ኣብ 2020 ዝወጸ ጸብጻብ ሰብኣዊ ምዕባለ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ከም ዘመልክቶ፣ ናይ ኤርትራ ገምጋም መለክዒ ሰብኣዊ ምዕባለ 0.459 እዩ። እዚ ካብቲ ኣብ ምድብ ዝደኸያ ሃገራት ዝርከባ ሃገራት ዘመዝግብኦ ናይ 0.513 ማእከላይ ገምጋም ሰብኣዊ ምዕባለን፣  ካብቲ ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ዘለወን ናይ 0.547  ማእከላይ ገምጋም ሰብኣዊ ምዕባለን ዝተሓተ እዩ።  ብመሰረት ጸብጻባት፣ ኤርትራ ብመስፈሪ ሰብኣዊ ምዕባለ ካብ 189 ሃገራት ኣብ መበል 180 እያ ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናጽነት፣ ኣብ ጃምላ ሃገራዊ እቶት፣ ኣብ ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ኤርትራውያን ዜጋታት፣ ኣብ ህጻናትን መንሰያትን ኣብ ትምህርቲ ዝጸንሕሉ ገምጋማዊ ዓመታት ዝተራእየ ገስጋስ ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ዝተሓተ እዩ።  ጸብጻብ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኤርትራ ሃገር-ለኸ ድኽነት ከም ዘሎን፣ ካብቶም ኣብ ሽቅለት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት እቶም 75.2% ኣብ መዓልቲ  ትሕቲ 3.10 ዶላር ጥራይ እቶት ከም ዝረኽቡን እዩ ዘመላኽት።  ኣብዚ ክስመረሉን ክምልከትን ዘለዎ ሓቂ፣ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ኤርትራውያን ሸቃሎ ዝግብኦም ዓስብን መሃያን ዘይረኽቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እዮም።

ሐ. ብሰሪ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርና፣ ምስኡ ተኣሳሲሩ ኣብ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዘይተሓታትነት ዝወርድ ናብራ ከርተትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ስእነት ውልቃዊ ውሕስነትን፣ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ውሕስነትን ድሕነትን ንምንዳይ ሃገሮም ገዲፎም ወጺኦም እዮም። ብመሰረት ኣብ 2019 ዝወጸ ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ወርሒ ኣስታት 6000 ኤርትራውያን፣ ዕቁባ ንምርካብ ካብ ሃገሮም ፈሊሶም ኢዮም። 15.4% ካብኦም ኣላዩ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ እዮም። እዚ ፍልሰት እዚ ምስቲ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ጽኣት ኤርትራውያን ተደማሚሩ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስድራቤት ዝዓንዲ ማእከሉ ሕብረተሰባዊ ስርርዓትና ዓምዪቕ ቁስሊ ኣስዒቡ እዩ።

መ. ኣደራዕ ናይዚ ኩሉ-መዳያዊ ምቅንጣእ ዜግነታዊ መሰላት ዝስከሙ ዘለዉ ብሓፈሻ መንእሰያት፣ ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑትን እዮም። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፣ ደቂተባዕትዮ ብሰሪ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን ካብ ዘቤታውን ስድራቤታውን ሓላፍነት ስለ ዝበዂሩ፣ ብዘይ እኹል ገንዘባዊ ጸጋታት፣ ቆልዑ ናይ ምዕባይን ኣረገውቲ ናይ ምንባይን ሓላፍነት ደቂ-ኣንስትዮ እየን ዝስከምኦ ዘለዋ። ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ናብቲ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግህሰታትን ዘቃልዐን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብግዲ ክኽተባ፣ ካብኡ እንተተማሕራ ወይ ካብኡ ንምምላጥ ድማ ናብ ዘይደልይኦ መርዓ’የን ዝጽመዳ ዘለዋ። ብዙሕ ግዜ፣ ንኣሽቱ ደቀንስትዮ ምስ ኣብ ስደት ዝነብሩ፣ ብዕደመን ገንዘባዊ ጉልበትን ካብአን ኣዝዮም ዝምሕድጉ ስለ ዝምርዓዋ፣ እቲ ዝኣትውኦ ዝምድና ንማዕረነትን ናጽነተንን ዘይቀዱ፣ ሃሳይአን ኮይኑ እዩ ዝርከብ። ካልእ ዘለወን ኣማራጺ፣ ሃገረን ገዲፈን ዕቁባን ድሕነትን ናብ ዝረኽባሉ ሃገራት ምፍላስ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ስደተን፣ ልክዕ ከም ደቂ-ተባዕትዮ መዘንአን፣ ንዕምረን ዝነብር ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸማልያ ዝገድፈለን፣ ኣሰቃቂ ግፍዕታን ጾታዊ ዓመጽን ይጎንፈን።

ረ. ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ምስ ንመጽእ፣ ሃገራዊ ቻርተር ህግደፍ ከምዚ ዝስዕብ መብጽዓ ኣስፊሩ ኣሎ፡

ኣብ ኤርትራ እንሃንጾ ቁጠባዊ ስርዓት ድሌት ዝበዝሐ ህዝቢ ዘርውን መነባብሮኡ ዘመሓይሽን፣ ኣብ መላእ ሃገር ምዕሩይ ዝርገሐ ዘለዎ፣ ብሕግታት ዕዳጋ ዝሰርሕ፣ ግላዊ ወፍርን ተበግሶን ውድድርን ዘተባብዕ፣ ዝተመዛዘነ ቁጠባዊ ዕብየት ዘረጋግጽ ቁጠባዊ ስርዓት ማለትዩ። ብሓጺሩ፣ እቲ እንሃንጾ ቁጠባዊ ስርዓት ማሕበራዊ ፍትሒ ዘስፍን ክኸውን ኣለዎ።

ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ምስዚ ቁጠባዊ ራኢ ሃገራዊ ቻርተር ዘራኽብ’ውን የብሉን። ህግደፍ፣ ግላዊ ወፍርን ዋኒናትን፣ ኣፍራዪ ጽላታት ቁጠባን ብምዕናው፣ ህዝብና ንድኽነትን ዓጸቦን ብምቅላዕ ናይ ኩፖን ቁጠባ እዩ ተኺሉ።  ብሰሪ ግጉይ ፖሊስታት፣ ስእነት ጽገናን ተሃድሶን፣ ሕጽረት ዓያዪ ሓይልን፣ ሕርሻዊን ኣፍራይ ጽላታት ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ዝተናውሐ ልምሰት እዩ ዝርከብ። 80% ካብ ህዝብና ዝምርኮሰሉ ናይ ዕንጋሎ ሕርሻ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናጽነት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ኣይተገብረሉን። በዚ ዝኣክል ድማ እዚ ጽላት ሕርሻ እዚ ንሓደጋ ኩሉሳዕ ምስ ተቃልዐ’ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻዊ ልምዓት (IFAD) ንኣብነት “65% ካብ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ድኽነት እዩ ዝነብር። 37% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውሑስ ሕጽረት መግቢ የጋጥሞ። ዝናብ ጽቡቕ ኣብ ዝኾነሉ እዋን’ውን እንተኾነ፣ 60% ካብ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ውሕስነት መግቢ ዝረክብ። ዝናብ ኣብ ዝጠልመሉ ግዜ ድማ ውሕስነት መግቢ ዝህልዎ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ናብ 25% ይወርድ።

ሰ. ህግደፍ፣ ኣብ መሰረታውያን ፖለቲካዊ ሰነዳቱ፣ ኣብ መንጎ ገጠርን-ከተማን ኣብ መንጎ ዝተፋላለያ ብሄራትን ነዊሕ ንዝጸንሐ ማሕበረ-ምጣነሃብታዊ ፍልልያት ከጽብብ ዝኣተዎ መብጽዓታት ጠሊምዎ እዩ። ዝርካቡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ጸጋታትን ብምዕሩይነት ናብ ኩሉ ክፋል ህዝብና ዝተባጽሐ ኣይኮነን።

1.4.        ገምጋም ተቛውሞ

ሀ. ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ናጻ ፖለቲካዊ መድረኽ ዘይምህላዉ፣ ኣብ ስደት ኮይኑ ክነጥፍ ዝተገደደ ደምበ ተቋውሞ፣ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክጋደል ጸኒሑ ኣሎ። እንተኾነ፣ ንስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ዘኽእል ዘላቅን ኣድማዕን ኩሉ-መደያዊ ወፍሪ ከካይድ ኣይክኣለን።

ለ. ደምበ ተቋውሞ ኤርትራ ኣድማዕን ዘላቅን ቃልሲ ከካይደሉ ዘይክኣለ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ስሙር መሪሕነት ኮይኑ ዝተወሃሃደን ጥርኑፍን ቃልሲ ከካይድ ዘኽእሎ ቁመና ስለ ዘይጸንሖ እዩ። ደምበ ተቋውሞ ኤርትራ፣ ዋላ’ኳ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት፣ ኣብ ዝጸንሐ ትካላትን ውድባትን ተመርኲሱ ነብሱ ከደልድል ክፍትን እንተጸንሐ፣ ጎኒ ጎኒ እዚ ግን፣ ሓደስትን ንረብሓታትን ኣጠማምታን ውሕዳን ጉጅለታት ጥራይ ዝውክላ ንኣሽቱ ፖለቲካዊ ምትእኽኻባት ናይ ምፍጣር ዝምባለ’ውን ጸኒሑ እዩ።

ሐ. ነዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር ኢና ነቲ ብዙሕ ሰብ ብፍኑው መንገዲ ክዛረበሉ ዝጸንሐ፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ምስፋን ንዝግበር ቃልሲ ክመርሕን ከቃላጥፍን ዝኽእል ምምስራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ንእምም ዘለና።

እዚ ጽንሰ-ሓሳብ፥

ሀ. ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ኣብ ምስፋን ክቃለሱ ዝጸንሑ ሓይልታትን ጉጅለታትን ንምስማር ዝተኻየዱ ፈተነታት ብዕቱብ ገምጊሙን ካብ ዓወታቱን ብድሆታቱን ትምህርቲ ወሲዱን እዩ።

ለ. ኣብ ዓምዪቕ ትንተናን ርድኢትን ህዝቢ ኤርትራን ደሞክራሲ ንምስፋን ክካይዶ ዝጸንሐ ናይ  ሕሉፉን ሕጂን ቃልሱን ናይ ቀረባን ማእከላይን እዋን ክኽተሎም ዘለዎ መንገዲን ዝምርኮስ እዩ።

ሐ. ኤርትራ ካብ ዝተናውሐ ምልኪን ውርደትን ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋ ምብትታንን ብህጹጽ ንምድሓና እቲ እዋን ሕጂ ምዃኑ ጸቂጡ ኣስሚርሉ ኣሎ።

መ. ናይ ህዝቢ መሰላት፣ መዓርግን ክብርን፣ ምዕቓብ ሃገራዊ መንነት ምስ ህላወ ሃገር፣ ምዕቃብ ብብዙሕ መስዋእትን ገድልን ዝተረኸበ ሃገራዊ ናጽነት፣ ልዑላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ካብ ዝብገስ ጽኑዕ እምነት፣ እቲ ኣብ ደገ ዝቀውም መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጉዳያት ከም ቀንዲ ዕማሙ ገይሩ ክሰርሕ ይእምም።

ብተወሳኺ፣ ኣጸቢቅና ከነስምረሉ እንደሊ ነጥብታት፣ ንድፊ እዚ ጽንሰ-ሓሳብ ንምቋም መንግስቲ ኣብ ወጻኢ፥

ሀ. ነቶም ክውደቡን ሓሳባቶም ክገልጹን ኣኽእሎን መድረኽን ዘይብሎም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ዜጋታትና ብምጉናይ ብዋጋኦም ይእመም ከም ዘየለ

ለ. ብኣንጻሩ፣ ብዝተኻእለ መጠን ሓሳባትን፣ መርገጽታትን ኣጠማምታትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሰባት ክንረክብን ኣብዚ ጽንሰ-ሓሳብ ከነካትትን ከም ዝፈተንና

ሐ. በዚ ክብ ዝበለ ምኽንያታት፣ እዚ ጽንሰ-ሓሳብ፣ ሕመረት ዕላማኡን መትከላቱን ከም መርሓ ተዓቂቦም፣ ኣብ መንጎ ዝተፋለልዩ ሰብ ብርኪ ብዝካየድ ዝርርባት፣ ክትዓትን ምምኽኻርን ክህብትምን ክምዕብልን ዘለዎ ህያው ሰነድ ምዃኑ ንኣምን።

 2.    ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢታት

ናይ መወዳእታ ዕላማ ናይዚ ኮቲምናዮ ዘለና መስርሕ፣ ምምስራት ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ዘለዎ፣ ንሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራ ብብቅዓትን ብኽእለትን ዝውክል፣ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ፊተውራሪኣዊ ተራ ዝጻወት መንግስቲ እዩ።

2.1.        መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ክልተ ኣካላት ይህልዎ፥ ቤት-ምኽርን ፈጻሚ ኣካልን። እቲ ዝቀውም መንግስቲ ብመሰረት ቤት-ምኽሪ ዘጽድቆ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መትከላት ዕማሙ የሰላስል።

2.2.       ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

ቤት-ምኽሪ ብወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ስሙያትን ዓበይቲ ዓዲ ኤርትራውያንን ይቀውም። ብዝሒ ናብ ቤት ምኽሪ ዝስደዱ ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማበራትን ኣብ መጻኢ ብዝውሰን ብጽሒት ይውሰን። መንዩ ፖለቲካዊ ውድብ መን ኣዩ በርጌስዊ ማሕበር ዝብል ሕቶ ብዙሕ ከካትዕ ይኽል እዩ። ብናትና ገምጋም ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ውድባዊ ጉባኤ ዝጸደቀ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዘለዎ፣ ጉባኤእኡ ብስሩዕ ዝገብር፣ ፍሉጣት ሰብ ካርዲ ኣባልት ዘለውዎ፣ መሪሕነት ዝመረጸ፣ ምስ ህዝቢ ቀጻሊ ርክብ፣ ምብብሃሃልወዘተ ዘካይድ፣ ኣባልት ብቀጻሊ ዝኸትብ ዝውድብ ዘንቅሕ፣ ናይ ሚድያ፣ ናይ ዲፕሎማሲ፣ ናይ ፖለትክካን ካልን ስርሓት ብቀጻሊ ብስሩዕ ኣገባብ ዘካይድ።

ሓላፍነታት ቤት-ምኽሪ

  • ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደገ ዝገዝእ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ መትከላት ምንዳፍን ምጽዳቅን
  • ኣባላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ኽኾኑ ንሕጸ ዝቀርቡ ሰባት ምጽራይን ምጽዳቅን
  • ኣደ/ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ምምራጽን ዝተፈላለዩ ክፍልታታት ናይቲ መንግስቲ ዝመርሑ/ሓ ሰባት ምምዛዝን
  • ብዝተኻእለ መጠን ከከም ኣድላይነቱ ናይ ቤት ምኽሪ ዕማማት ምስልሳል
  • ዕማማትን ስርሓትን ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ምክትታልን ምግምጋምን
  • ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ምውዳብን ኣብ ክሊ ሃገራዊ ዕላማ ምኽታትን
  • ማሕበራዊ ስኒትን ሓድነትን ኤርትራውያን ክሕይል ምስራሕ
  • ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ዝገዝእኡ ሕጋጋታትን ስርዓትን ውሽጣዊ ኮሚተታትን ዝህልወን ቅርጽታታን ምምዕባል
  • ካልእ ኣብ መጻኢ ንገዛእ ነብሳ እትህቦ ዕማማት ተሰላስል

ዕምሪ ስልጣን ቤት-ምኽሪ

ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ፣ ቃለ-ማሕላ ካብ ዝገብርሉ ዕለት ጀሚሩ፣ ንዕራን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ መዝነቶም ይጸንሑ። ዕምረ-ስልጣኖም ከየብቅዐ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ እንተመጽዩ፣ ማእከላይ ቤት ምኽሪ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ ኩነታት ይግምግምን መጻኢ ዕድሉ ይውስንን።

2.3.       ሃገራዊት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

ሃገራዊት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ንክብ ዝበለ ሓላፍነቶም ዝምጥን ሞያ፣ ውልቃዊ ድግነትን ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ዝናን ተሰማዕነትን ብዘለዎም ክኢላታታ ትቀውም።

ሓላፍነታት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

  • ንሃገራዊ ጉዳያት ትግምግምን ትከታተልን
  • ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ንኤርትራን ትውክልን ኣብ ክንዳኦም ትከራኸርን
  • ኩሉ-መዳያት ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስርሓት ተወሃህድ
  • ኣብ መጻኢ ንነብሳ እትምድቦ ካልእ ሓጀታታ ትዓምም

ንሃገራዊት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢን ነፍሲ ወከፍ ክፍሊን መቃን መወከሲ ዝኸውን ናይ ክልተ ዓመት ንድፊ ስራሕ ይህልወን።

ክፍልታት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

  1. ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል
  2. ቤት ጽሕፈት ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል
  3. ክፍሊ ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዲፕሎማስን
  4. ክፍሊ ቁጠባዊ ዳግመ-ህንጻን ልምዓትን
  5. ክፍሊ ፋይናንስ
  6. ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን
  7. ክፍሊ ማሕበራዊን ሰብኣዊ ጉዳያትን
  8. ክፍሊ መሰጋገርን ቅዋማዊን ጉዳያት
  9. ክፍሊ ጸጥታን ድሕነትን

ዕምሪ ስልጣን ቤት-ምኽሪ

ኣባላት ሃገራዊ ፈጻሚት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደገ ንሳላሳ ወርሒ ዝጸንሕ ዕምሪ ስልጣን ይህልዎም።
3.    መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

ቀዳማይ መድረኽ፥ ምምስራት ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም

3.1.        ተልእኾ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም

ቀንዲ ተልእኾኣ፡ ኣብ ጽንሰ-ሓሳብ ኣቀሚጣቶ ዘላ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ወጻኢ ባዕለ ተበግሶን ሓላፈነትን ብምውሳድ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ እዩ።  ብተወሳኺ፣ እዛ ሓይሊ ዕማም ምስ ማዕከናት ዜና ንጉዳይ ምስረታ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ኣመልኪታ ሓበሬታትን ዝርርባትን ተካይድ፣ ምስ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ትራኸብን ትላዘብን። ተልእኾኣን ህላወኣን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደገ ምስ ተመስረተ የብቕዕ።

3.2.       ኣቋውማ ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም

ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም፡ ብሸውዓተ (7) ግዱሳት ኤርትራውያን ዝቖመት እያ። ኣባላት ናይ ሓይሊ ዕማም ኮይኖም ዝተመርጹ ውልቀሰባት ነዚ ዝስዕብ ረቛሒታት ወይ ብከፊል ወይ ብምሉእ ዘማልኡ’ዮም፥

  1. ፖለቲካዊ እምነት፥ ኣብ ሃገራዊ ልዑላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝኣምኑ፣ ሓድነትን ብዙሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝቅበሉን ዝጽንብሉን፣ ንሃገራዊ ዕላማ ኣብ ምስጓም ዘበርከቱ
  2. ፍልጠት፥ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ዓምዩቕ ዝፈልጡ፣ ንፖለቲካዊ ሜዳ ደምበ ተቋውሞ ብጽቡቕ ዝግንዘቡን ንኩሉ መዳያዊ ሸነኻት ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ዝርድኡን
  3. ብቕዓት፥ ናይ ትንተና፣ ምብህሃል፣ ኣሳልጦ፣ ርክብ፣ ዓንኬላት ዝምድናታት ናይ ምምስራት ክእለት ዘለዎም

ካልኣይ መድረኽ፥ ምምኽካርን ርክባትን

  • ሓይሊ ዕማም ምስ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ካልኦት ነዚ መደብ ንምዕዋት ዓቢ ግደ ክጻወቱ ዝኽእሉ ሰብ ብርክን ምምኽኻራት ተካይድ
  • ሓይሊ ዕማም ኣብ ትገብሮም ምምኽኻራት፣ ጽንሰሓሳብ ምምስራት መንግስቲ ተቅርብ፣ ኣብ ትሕዝቶኡ ስምምዕ ክህሉ ትጽዕት፣ ንእማመኣን ጽንሰሓሳባን ካብ ኣገደስቲ ውድባትን ውልቀሰባትን መብጽዓን ደገፍን ተውሕስ
  • ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታትን ሓፋሽ ህዝቢን ብመንገዲ ሰሚናራትን ማዕከናት ዜናን ርክባት ተካይድ፣ ብዛዕባ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ደገን ውጽኢቱን ኣፍልጦን ንቅሓትን ደገፍን ንኽዓቢ ትሰርሕ
  • ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም፣ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ጉባኤታትን ንኸካይዳ ሞያዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓታሉ እዋን ሞያዊ ምድግጋፍን ሓገዛትን ተበርክት

ሳልሳይ መድረኽ፥ ምርጫኣዊ ጉባኤታት ምክያድ

  • ብቑዓት ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣባላት ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስደት ዝኾኑ ሕጹያት ዝመርጻሉ ጉባኤታት ይሰርዓ።
  • በርጌሳውያን ማሕበራት ኣሳታፊ ጉባኤ ክጽውዓ፣ ንመርሓ መንገዲ መንግስቲ ኣብ ስደት ብዘርኢ ዘተ ከካይዳን ኣባላት ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ወኪላት ክመርጻን ምትብባዕ
  • ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዕዉት ጉባኤ ንምክያድ ተክኒካዊ ሓገዝ እንተድኣ ኣድልይወን ሃገራዊ ሓይሊ ዕማም ሞያዊ ሓገዝ ከተበርክት ድልውቲ እያ።
  • ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ኣባላት ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ክኾኑ ዝሓጸይኦም ኣባላት ንህዝቢ ብዕሊ የፍልጣ።

ራብዓይ መድረኽ፥ ፈላሚ ኣጠቃላሊ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ

  • ናይ መኽፈቲ ኣጠቃላሊ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ይካየድ
  • ፈላሚ ኣጠቃላሊ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ብዕሊ ምምስራት ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ የበስር
  • ፈላሚ ኣጠቃላሊ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ፣ ንሕጋጋት ኣሰራርሓ ባይቶ ዝገዝእ ንድፊ የርቅቅ
  • ቤት-ምኽሪ፣ ወሃብ ቃልን ክልተ ምክትላት ወሃቢ ቃልን ይመርጽ፣ ብተወሳኺ ቤት-ምኽሪ ንውሽጣዊ ጉዳያት ቤት-ምኽሪ ዘካይድ ቤት-ጽሕፈት መዝገብ የቕውም
  • ፈላሚ ኣጠቃላሊ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ሕጹያት ኣባላት ፈጻሚ ኣካል የጽድቅ
  • ቤት-ምኽሪ ንኣደ/ኣቦ መንበር ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ኤርትራ ምክትልን ሓለፍቲ ክፍልታትን ይመርጽ
  • ወሃብ ቃል ቤት-ምኽሪ ንኣባላት ፈጻሚት ኣካል ቃለ-ማሕላ የግብርን ምምስራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ይእውጅን።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *