“እቶም ስጉምታት፡ 1) ንመንእሰያትን ህዝቢን ኤርትራ ካብ ሃገሮም ብምስጓግ ንኤርትራ ህዝቢ ዘይብላ (depopulated) ባዶ ሃገር ከምትኸውን ምግባር፡ 2) ንብምሉኦም መንግስታዊ መሳርዕ ኤርትራ ደረጃ ብደረጃ ብዘገምታ ምዝራግ፡ 3) ንኹሉ-መዳያዊ ምሕደራ ሃገረ ኤርትራ ምብልሻው፡ 4) ስርዓተ ሕጊ ዘይክተሉ ማእሰርቲን ጭውያን መቕተልቲን ከምዝበዝሑ ጌርካ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ራዕዲን ፍርሂን ከምኡ እውን ሓድሕድ ዘይምትእምማን ኣስሪጽካ ህዝባዊ ተቓዎሞታትን ቃልሲታትን ኣብ ኤርትራ ከምዝይብገሱ ምግባር፡ 5) ዲክታተራዊ ስርዓተ መንግስቲ ብኣታሓሳስባን ብግብሪን ብህዝቢ ኤርትራ ቀስ ብቐስ ከምዝርዓም ምግባር፡ 6) ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ወጺእካ ብውልቀን ብእኩብን ሓሳብካ ክትገልጽ ንዝሕግዘካ ቅዋማዊ መሰልን ናጽነትን ምንፋግ፡ 7) ንናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ምዝራግን ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዓለም ምድዋንን፡ 8) ንሰራዊት ኤርትራ ብዘገምታዊ መስርሕ ብምሕቃቕ ንግብራዊ ህላወ ሚኒስትሪ ምክልኻል ምስራዝ፡ 9) ብዓቢኡ ክኣ ን’ሃገርነት’ ኤርትራን ’ሃገራዊነት’ ኤርትራውያንን ምድምሳስ፡ ወዘተ፡ ዝኣመሰሉ የጠቓልሉ። እቶም ኣዕነውቲ ስጉምታቱ ኣብ ዝተፈላልዩ እዋናት ዝተፈላለየ መልክዕን ዝርዝርን ይሕዙ እዮም። ይኹን እምበር ዕላምኦምን ትሕዝቶኦምን ብንጹር ዝተፈልጠ ስለዝኾነ ኣንጻሮም ዕቱብ መኸተ ብምክያድ ክቕልበሱ ዝኽእሉ እዮም።
“ኣቶ ኤርትራዊ-ኢትዮጵያዊ ሸቶኡ ንምውቃዕ ዝጥቀመሉ ስትራተጂ ብገዚፍ ምስዝጥመት ክኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ሹዱሽተ ጨናፍር ጠሚርካ ከተቕርቦ ዝክእል እዩ። 1) ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ከም ሓደ ባዕዳዊ ወተሃደራዊ ጸላኢ ጌርካ ምውሳድ። 2) ኣብ ኩሎም ዝውሰዱ ስጉምታት ናይ ምትላልን (deception) ምዕናውን (destruction) ሜላ ምጥቃም። 3) ንህልዊ መሓውርን ኣካይዳን ምሕደራን መንግስቲ ኤርትራ ፍጹም ብምዕናው ንኤርትራ ውድቕቲ ሃገር (failed State) ምግባር። 4) ኤርትራውያን ስራሕ ስኢንናን ብኹሉሙሉ ስቓይ በዚሑናን ክንስደድ እሞ ንኤርትራ ኣንጻር ባዕዳዊ ወራር ዝምክት ህዝቢ ዘይብላ (depopulated) ባዶሽ ሃገር ኮይና ከምትተርፍ ምግባር። 5) ንኹሎም ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኤርትራ ምብልሻው። 6) ሃገርና ብባዕዳዊ ሓይሊ ተጎቢጣ ንኽትድምሰስ ዘመቻችእ ኩነት ኣብ ባይታ ምውዳድ።
“ናይ ኢሳያስ ናይ ጥፍኣት ስትራተጂን ሜላን ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ 1941 ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበረን መርገጺን ኣቶ ኢሳያስ ሎሚ ሒዙዎ ዘሎ መርገጺን ይመሳሰል እዩ። እቲ ፍልልይ፡ ናታተን ግዳማዊ ናቱ ድማ ውሽጣዊ ረቛሒ ብምዃኖም ጥራይ እዩ። ግና ናይ ኣቶ ኢሳያስ መርገጺ ካብ ናታተን ብዝያዳ ይኸፍእ።”
ይቕጽል….(press link below)


Leave a Reply