Neither breaking, nor news

የቀንየለይ ትስፉው ተስፋልደት!

ተስፋልደት ኣለም መሓረና ዓሪፉ ምስ ሰማዕኩ ክልተ ነገር ኣሰንቢዱኒ። እቲ ሓደ ህይወቱ ምሕላፋ። ኣምላኽ ኣብ የማናይ ክንፉ ይቀበሎ። እቲ ካልኣይ ግን ጣዕሳይ ዝፈጠሮ ስንባደ – ውሽጠይ ኢዩ።

ንተስፋልደት ብኣካል ይኹን ብቴሌፎን ረኺበዮ ወይ ኣዘራሪበዮ ኣይፈልጥን። ከምቲ ኩሉሻዕ ኣብ ባህሊ ትግርኛ እነዘውትሮ ግን፡ እነሆ ምስ ሞተ: እቲ ብህይወት ከሎ ኪገብሮ ዝግባኣኒ እገብር። ምስናይ ይቕሬታ።

ስለምንታይ ኢና ግን ሰብ ከሎን ኣብቲ ዝግበኦን እዋን ዘይነመስግኖ።

ሓደ እዋን ሓደ ናይ ነዊሕ እዋን ዓርከይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከለና፡’ንስኹም እዞም ትግርኛ (ንሱ ካብ ብሄረ ዓፋር ኢዩ) ንስብን ደርሆን መቸም ምስሞቱ ኢኹም ተኽብርዎም’ ምስበለኒ፡ ‘ናይ ሰብሲ ሕራይ ናይ ደርሆ`ኸ እንታይ ማለትካ ኢዩ’ በልክዎ።

‘ደርሆ ደኣ ብህይወት እንከላ ክትእሰር፡ ኣብ ረሳሕ ቦታን እንዳጎሓፍን ክትድርበ ትሓልፎ፡ምስ ሞተት ግን ከቢራስ ናይቲ ዝኸበረ ጋሻ መግቢ ኮይና፡ ንምሩጻት ጥራይ እትቕረብ ትኸውን’።መለሰ።

ተስፋልደት መብዛሕትና ንዓመጽ ህግደፍ ከየላለናዮ፡ ቀዲሙ ኣለልይዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መፍትሒኡ ውን ሓቢሩ። ማሕበራዊ መራኸቢ ከምዚ ሎሚ ፎቖድኡን ብዘይፍልጠትን ንጨምለቕለቕታን ከይኮነ፡ ተስፋልደት ንዌብሳይት ምስ ናይ ጆርናሊዝም ብቕዓቱ (ብሞያ፡ ስነምግባር፡ ክእለት) ንብጹእ ዕላማ ተጠቒሙሉ። ተስፋልደት ዝግባእ ሞሳ ዘይምርካቡ ግን ዘሕዝን ኢዩ።

ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣበርክቶ ተስፋልደት ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበርና ዝገበሮ ኣገልግሎት ኢዩ። ህግደፍ ጎደና ቁልቁለት ኣጸቢቑ ኣብ ዝተሓሓዘሉ እዋን 2001፡ ከባቢና ጸልማት እንከሎ፡ ተስፋልደት ብመንገዲ ኣዝማሪኖ ሕቡእ ተስፋ ብርሃን ይልግሰልና ነይሩ።

ኣብ ኤርትራ ከለኹ ኣብ ሓደ ኩባንያ ህንጻ ይሰርሕ ስለዝነበርኩ ብመጠኑ (ምስ ጨቖቕታኡ) ናይ ኢንተርነት ዕድል ነይሩኒ። ከምእትፈልጥዎ ናይ ህግደፍ ቡንባ ማይን ኢንተርነትን ጨቖቕ እንዳበልካ ኢዩ። ይኹን ግን ካብቲ ሓለቓይ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይን እንዳተሾቕረርኩን ተሓባእኩን ኢየ ዘንብብን ዝሰምዕን ነይረ። ሓቂ ይሓይሽ እቲ ቪድዮን ድምጽን ብሰንኪ ድኹም ኮኔክሽን ንምስምዑ ቀሊል ስለዘይነበረ ሓይለይ ኣብቲ ዓንቀጻት ምንባብ ኢዩ ነይሩ።

ሓደ ሓደ እዋን፡ ብፍላይ እኳ እቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ G15ን ተቓወምትን ኣብ ኣዝማሪኖ ክትዕ ዝነበረሉ ዉዑይ እዋን፡ ‘ሶፍትዌራት GIS, CAD, Plaxise ክጽዕን ምሸት ኢዩ ኮኔክሽን ዝመጸለይ’ እንዳበልኩ ለይቲ ብምምሳይ ይከታተሎን ፕሪንት ጌረ ናብ ኣዕሩኽተይ ይዝርግሖን ነበርኩ። ገለ ካብቲ ሽዑ ዝዝክሮም ክትዓት ኣብ መንጎ ‘ፈዳይ ንጉስ’ ዝበሃል ደጋፊን ‘ወዲ ብላታ’ ዝበሃል ተቓዋሚን ዝነበረ ዓሚቕ ክትዕ ኢዩ። ካልኦት እውን ብዙሓት ናይ ብርዒ ዝመስል ኣስማት ጌሮም ዝወጹ ዓንቀጻት ነይሮም።

ሎሚ ኣብ ውሑስ ቦታ ኮንካ፤ ነዚ ዛንታ ብሓደ ሑጥበ-ጽሑፍ ምግላጹ ቀሊል ይመስል ይኸውን፤ ኣብቲ እዋን እቲ ግን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋት ምንባብ፡ ፕሪንት ምግባር፡ ማዕጾ ሞት ዝኹሕኩሕ፤ ዋጋ ዘኽፍል መንገዲ ሲኦል ኢዩ ነይሩ።

ይዝከረኒ ሓደ ንግሆ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቤት ጽሕፈት (ከባቢ ሽዳ) ሓለቓና ምስቶም ኣብ ኦፊሱ ዝጸንሑ ሰባት ኣኼባ ድሕሪ ምውድኡ፡ ንዕኦም ኣፋኒዩ ሃንደበት ብመንገዲ ጸሓፊቱ ኣኼባ ጸዋዓና። እቶም ንኣኼባ ምስኡ ዝጸንሑ ዘይንፈልጦም ግን ድማ ኩሉ ኣካውነኦም ክብድብድ ዝበሉ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ባሕሪ ከብደይ ገለ ፍርሃት ክስመዓኒ ጀሚሩ። እታ ጸሓፊት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ደቂቕ መሊሳ ናብታ ኣርባዕተ ሰባት እንሰርሓላ ዝነበርና ብምምጻእ ‘እንጅነር ዓምና እኮ ይጽበየኩም ኢዩ ዘሎ ስለጡ እባ’ በለት። ሓቂ ይሓይሽ እታ ጸሓፊት ኣዚያ ጥዕምቲ፡ እቲ ሓለቓና እውን ብዕድመ ድፍእ ዘበለ ዘይጓዳእ ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ።

ኣኼባ ህዉኽን ሓጺር ኢዩ ዝነበረ።

‘እዞም እንዳ ጸጥታ ኣብዚ ኣሃዱና ዘየድሊ ናይ ኮምፕዩተርን ኢንተርነትን ኣጠቓቕማ ኣሎ ኢሎም ኣጠንቂቖምና ኣለዉ። ሕሳብኩም ግበሩ’ በለና። ካልእ ክልተ ሰለስተ ነቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ናይ ባጽዕ ፕሮጀክት ዝምልከት ትእዛዝ ሂቡ ኣኼባ ዓጸዎ። ናይ ተጋደልቲ ኣኼባ ከምእትፈልጥዎ ንሶም ተዛሪቦም፡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ ፡ የላ ተበገስ ብዝብል ሓረግ ኢዩ ዚዛዘም። እንታይ ይመስለኩም፥ ሓሳብ ኣለኩምዶ ዝብል ኣምር ጓናዩ።

ኣኼባ ውዲእና ብድድ ክንብል ከለና ሓለቓና ‘ምሕሬ ኣርክበኒ `ስከ ኣብ ኦፊሰይ ደልየካ ኣለኹ’ በለኒ ካብቲ ኮንፈረንስ ሩም እንዳወጸ።

ሻቡ ኣእጋረይ ረድረድ ክብላን ጸኒዐን ደው ምባል ክኣብያን ጀመራ። ኣብታ ምልእቲ ቤት ጽሕፈት ብዘይካይ ምሕረተኣብ ስሙ ካልእ ዝኾነ ሰብ ከምዘየለ እንዳፈለጥኩ ከይተፈለጠኒ ‘ኣነ’ ክብል ሓተትኩ። ኣይመለሰለይን፡ ሻቡ ጥቓ ኦፊሱ በጺሑ ብምንባሩ ስለዘይሰምዓኒ ዲዩ ወይስ ብጀካኻ ካልእ ምሕረተኣብ ዝበሃል ኣሎ ዲዩ ዘስምዕ ዘይምምላስ ኢዩ ክሳብ እዛ ዕለት ኣይፈልጥን።

ኦፊሱ ኣትየ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ቅድሚ ጣውልኡ ዝነበራ ክልተ መናብር ኮፍ በልኩ። ሽጋራ እንዳወለዐ ‘ኣብቲ ኣኼባ ፈልየ ስምካ ክጠቅስ ኣይደለኩን የግዳስ………..’

ምሉእ ነብሰይ ረሃጽ ኪካዓው ተሰመዓኒ

‘ኣብዚ ተምስየሉ ዘለኻ ምሸት ዘየድሊ ነገራት ትርኢን ትሰምዕን ኣለኻ………’

ኣብተን ሒደት ሰከንድታት …… ቤት ማእሰርቲ ዓዲኣቤቶ፡……… እቲ ኣብኡ ከምሕሱም ይቕጥቕጥ ኢዩ ዝብልዎ ወዲ ከበደ………፡ እታ በይና ዘዕበየትኒ ኣደይ ፡ ኪረኣዩኒ ጀመሩ።

‘ተጋግየ ኢየ ኣነ ተቓዋማይ ኣይኮንኩን፡ ንስለምንባብ ኢየ ናይ ኣዝማሪኖ ጽሑፋት ዘንብብ ነይረ ብፍጹም ኣይድግፎን ኢየ’ ዝብል መልሲ ምስ ኣእማኒ ቃነአን ከመይ ክብለን እንዳኣስተንተንኩ………

‘ኔዮም በሎ እዚ ጴንጠ ወዲ ጴንጠ …… ካላም ፋርቕ….. ኣበይ ደሎ የሱስ ኢዩ እዚ፡ ያላ ኪድ ሕጂ እታ ናይ ከርከበት Intake Tower Structure next week ከምተረክብዎም ግበሩ’ በለኒ።

ልበይ ብሩኡይ ናብ ቦተኣ ክትምለስ ተሰመዐኒ። ለካ ብዛዕባቲ መሳርሕተይ ሄለን  ኣብ ኮምፕዩተር እትሰምዖ መዛሙር ርእዩ ኢዩ ዚዛረብ ዘሎ። ሄለን መሳርሕተይ ሓደ ሓደ እዋን ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ድሕሪት ተሪፋ ናይ ዳንኤል ዓንደሚካኤል መዛሙር ትሰምዕ ነይራ ኢያ።

ናብ ኦፊሰይ እንዳኣምራሕኩ ‘እንኳዕ ባዕለይ ኣይተናዘዝኩ’ ዝብል ሩፍታ ተሰማዓኒ። ሻዕብያ ሳላ ምዝራብ እምበር ምስማዕ ዘይፈልጥዋ ሙኻኖም፡ መልሰይ (ኑዛዜይ) ከይሰምዐ ውድእ ውድእ ምባሉ ህይወተይ ድሒና።

ኣይጸናሕኩን ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ናይዛ ፍጻመ ከም ሰበይ (ኣየ ኤርትራውያን ወላ ነቲ ናይ ሳሃራን ባሕርን ጉዕዞ ልሙድ ወሲድናዮስ ‘ከምሰበይ’ ኢና ንብሎ) ብሊብያ ሜክሲኮ ገይረ ኣሜሪካ ኣትየስ ሎሚ ንኩሉ እግረይ ኣብ ጣውላ ሰቒለ ይነብብን ይሰምዕን ኣለኹ።

እቲ ዘሕዝነኒ ግን ኣብ ኣሜሪካ እሞ ድማ ኣብታ ተስፋልደት ዝነብረላ ስቴት እንዳሃለኹ፡ ንተስፋልደት ስለቲ ኣበርክቱኡ ከየመስገንክዎ ካብዛ ዓለም ምስንባቱ ኢዩ።

እቲ ዝገርም ሎሚ ብዙሓት ሰባት ደገፍቲ ይኹን ተቓወምቲ ‘እቲ ኩስቶ ዝብል ብርዒ ስም ዝጥቀም ዝነበርኩ ኣነ እየ’ ክብሉ ይነግሩኒ ኢዮም፤ የግዳስ ግሉጽነት ቀደም ስለዝሰገርዋ ሕጂ ሓቆም ዲዮም ኣይኮኑን ክኣምኖም ኣዚዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣብ ሓሳብካ እትኣምን እንተኾንካ ኣብ ናይ ብርዒ ስም ምኽዋል ንምንታይ ኣድለየ ርዱእ ኣይኮነን።

ንዓቢ ሓውና ተስፋልደት መንግስተ ሰማይ፡ ንስድራቤት ጽንዓት፡ ነቲ ዝተለሞ ጉዕዞ ፍትሒ ድማ መደምደምታ ይምነ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *