Neither breaking, nor news

SBS ትግርንያ ፡ ቃለ መሕትት ምስ ሳልሕ ዩኑስ

This is a transcription of the interview of Saleh Younis conducted by SBS Radio Tigrinya on December 16. Many thanks to Eritrea Digest super fan who listened to and transcribed the interview which suffered from bad audio, which is entirely the fault of the interviewee. Thanks as well to interviewer Beyene Semere.

በየነ: ሰማዕትና ሰማዕቲ ረድዮ sbs ዕዱም ኣለኒ ኣቶ ሳልሕ ዮኑስ ካብ ኣሜሪካ ኢዩ : ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ዞባ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ ኩኑታት ይከታተል በብእዋኑ’ውን ዝጽሕፍ እዩ:: ሎሚ’ውን ኣብቲ ጉዳይ ኢና ከነተኩር ብፍላይ ጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ስምምዕ ዝመጽእ ዘሎ ቅልጡፍ ምዕባሌታት ኣተኩርና ክንዘራረብ ኢና : ትዕዝብቱ ብሓፈሻ እንታይ ከምዝመስል እውን ከብርሃልና እዩ :: የቀንየለይ ኣቶ ሳልሕ::

ሳልሕ: የቀንየለይ

በየነ: ሕራይ እሞ: ብቐጥታ ኣብ ሒጺር ግዜ ከምዝበልክዎ ክንዮ ዕርቂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብቲ ዞባ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ዝምድናታት እዩ ዝርኤ ዘሎ:: ብናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምትዕራቅን ምብኣስን ክሳብ ክንደይ እዩ ነቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸልዎ? ካብዚ ክንግንዘቦ ንኽእል እንታይ እዩ?

ሳልሕ: ሕራይ እሞ ኣነ እተን ዘለዋኒ ባልዶንጏ ንኽልተ ሰለስተ ደቂቃ ክድርብየን እንድየ: ሽዑ እንተድኣ ኣንዊሔልካ ትኾልፈኒ:: ናይ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ወገን እዪ ዘሎ እቲ ቅልውላው ይመስለኒ: ሓደ ናይ ትግራይ እዩ : ትግራይ ሎምዓልቲ ኣብዚ ሮይተርስ ( Reuters) ዝበሃል ጋዜጣ መግለጺ ኣውጺኦም ኔይሮም:: 60ዝኾኑ ተጋሩ ጀነራላት ተኣሲሮም ዝብል ዜና ኣውጺኦም: ሕጂ እቲ …… ናይ ትግራይ [ውድብ] ከም ቅዳሕ ናይ ሻዕብያ እንድዩ “never kneel down”” ዝበሃል philosophy  ኣውጺኦም ኣለዉ : ኣይንብርከኽን ኢና ዝብል:: እቲ reform/ ጽገና ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ቀልጢፉ ይመስለኒ እቶም ለውጢ ከምጽእ ዝሓስብ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ ጎዩ ይመስለኒ …….

ትዝክር እንተኾይንካ ቅድሚ’ቲ ኣብይ ኣሕመድ [ኣብ ስልጣን] ምምጽኡ ዝኾኑ ተጋሩ ንወያኔ ይኹንኑዋ ኔይሮም ሕጂ ……. ይመስለኒ: ኩሎም ኣብ ሑቅፊ ወያኔ ኣትዮም: “ዝግበር ዘሎ ለውጢ እብ ኢትዮጵያሲ ንዓና ነቶም ጀጋኑና ዝኣስር እዩ” ዝብል ቅልውላው ኣምጺኡ ኣሎ ኣብ ትግራይ ማለተይ  እየ:: ኣብኡ ቁሩብ ቁሩብ ዝተጋገዮ ዝመስለኒ ኣብይ ኣሕመድ::

ኣብ ውሽጢ’ቲ ናይ ኣምሓራ ዞን ድማ: ትማሊ ኣብዚ ደብረማርቆስ ዝበሃል ኣብ ጎጃም ማለት እዩ Red Sea Trading Corporation ትበሃል ( 09) ኣብኡ ቤት ጽሕፈት ከፊታ እላ:: መኽፈቲኣ እቲ ጉያ እዩ ዘሎ ይመስለኒ ኣብ መንጎ ሻዕብያን ኣብ መንጎ ወያኔን ከመይ ጌርካ ጽልዋ ኣብ ኢትዮጵያ: ኣነ ላዕሊ ኣነ ታሕቲ ኣለኹ ማለት እንድዩ: ሕጂ ኣብኡ ቤት ጽሕፈት ከፊታ ኣላ::

ሳልሳይ of course ኢትዮጵያውያን ወላ በቲ ናትና ግምት ናይ ዓረብ ጽልኢ ብጣዕሚ እዩ ዘለዎም :: ጽልኢ ዘይኮነስ ፍርሂ ኣለዎም:: መዓልቲ መዓልቲ እዞም ኤምራትስ ዝበሃሉ ቤትጽሕፈት ከፊትና ገንዘብ ኣለቂሕና ገለ ክብልዎም ከለዉ ብዙሕ ብዙሕ ጥርጥር ኣለዎም::

ከም መቐጽልታ ድማ ኣብዚ ሞያለ ዝበሃል : ሞያለ ከተማ እያ : ኣብ ኬንያን ኣብ ኢትዮጵያን ዘሎ [ዶብ] እዩ:: ሓንቲ ዓባይ ከተማ እያ: ፍርቃ ናይ ኣትዮጵያ ፍርቃ ድማ ናይ ኬን ያ እያ : ካብኡ ድማ  እቲ ፍርቂ-ፍርቂ ሶማሊን ኦሮሞ  ኣለው :: ብወገን  ኢትዮጵያ ሶማልን ኦሮምን ኣለዉ: ኣብ ኬንያ ድማ ሶማልን ኦሮሞን ኣለዉ:: ብዙሕ ክትዕ ምስሕሓብ ኣሎ::

Finally ድማ እዚ ናይ OLF/ ኦነግ ዝበሃል ግንባር ብ1974 ዝጀመረ ምስ ወያኔ ማለት እዩ:: ኣብኡ ሓሙሽተ ዓይነት ኦነግ ኣለዋ: ካብኤን እታ ዝሓየለት ትበሃል እታ ዕግርግር ክትፈጥር ትኽእል: እታ ኣብ ኤርትራ ዝነበረት ናይ ኦሮሞ ብዳውድ ኢብሳ ትምራሕያ: : ንሶም ዕጥቅና ኣይነውርድን ስለዝበሉ ኣብኡ ዕግርግር ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም::

ሕጂ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ’ሲ ብዙሕ ናይ ዕግርግር ምኽንያት ዝፍጠረሉ ብናይ ሞያሌ ብናይ ትግራይ ብኣምሓራ  ዝካየድ ዘሎ ብሶማሊ ብዙሕ ዕግርግር ክፍጠር ይኽእል እዩ:: ኣብኡ ድማ ኢሳያስ እታ ካርታ ዝፈልጣ ከመይ ጌርካ እቶም ድኹማት ተሔይሎም ከመይ ጌርካ ነቶም ሓያላት ተድክሞም ኣብኡ ብዙሕ ተሞክሮ ስለዘለዎ ኣብኡ ኢድ አለዎ ማለት እዩ::

https://www.sbs.com.au/yourlanguage/tigrinya/ti/audiotrack/maraahheti-zegebarewo-rekebaate-zayekonase-eti-zefaraaramewo-wuelaateyu-eti-kashaaqhele

በየነ: ንሪኦ ዘለና  ናይ ውሽጢ ኢትዮጵያ እንድዩ ምናልባት ኣብ ሶማል ኣብ ጁቡቲ ኣብ ኤርትራ’ውን ከምኡ ኣብ ሱዳን እቲ ዞባ ብሓፈሻ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው ክትገልጾ ትኽእል ኢኻ ምናልባት ኣብኡ ዘሎ ቅልውላው ከመይ ይመስል : በቲ ሓደ ወገን ድማ ሕብረት ወይ ሓድነት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብል ተበግሶታት’ውን ብዓቢኡ ላዕልን ታሕትን ይበሃል ኣሎ: መራሕቲ በቃ ከምዚ ማራቶን እዩ በብጽባሕ እዮም ዝራኸቡ ዘለዉ :: ሰለዚ ከመይ እዩ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ውሽጠን ክንድዚ ዝኣክል ቅልውላው ኣሎ : በቲ ሓደ ወገን ድማ ንሰማማዕ ብሓደ ንኹን ይበሃል ኣሎ: ስለዚ ናይተን ካልኦት ሃገራት’ውን ጭልፍ ጭልፍ ኣቢልካ’ሞ ኣብርሃለይ ድሕሪኡ እቲ ዝምድንኤን ከመይ እዩ ክኸውን 

(This part is somewhat redundant due to phone connection)

ሳልሕ: ብኢትዮጵያ ክንጅምር  እንተኾይንና ናይ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ዝዓበየ ሽግር ዘሎ እዩ ይመስለኒ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ : ምኽንያቱ እቲ ውድብ ህወሓት ዝበሃል ናይ ትግራይ ቅዳሕ ናይ ሻዕብያ እዩ:: እሱ ተደፊኡ ተደፋፊኡ ሱሳ ጀነራለት ተኣሲሮም ማለት’ዩ :: ካብዞም 60 ዝተኣስሩ ተጋሩ ናይ መተክ ( METEC) ዝበሃል ትካል ኣብዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ETV: ዋልታ: ፋና  ዝበሃሉ 3 ናይ ስተይት ቲቪ (State TV): ዶክመንታሪ ኣውጺኦም: ሰለስቲኦም ብ ሓንሳብ ሰዓት ሸሞንተ ኣውጺኦሞ:: ኣብቲ ዶክመንታሪ እቶም ንዓና ይውጽዑና ዝነበሩ “ትግርኛ- ተዛረብቲ” እዮም ዝብል ኔይሩ :: ንሱ ብጣዕሚ ብጣዕሚ እቀይሙዎም ኣሎ ንትግራዎት:: መብዛሕቱ ሰብ እንታይ እዩ ዝብል “ኣብምንታይ’ሞ  ከይበጽሑ: 6% እንድዮም … ተጋሩ ገለ” እንድዩ ዝብል : ግን ተጋሩ ብቑጽሮም ጥራይ ዘይኮነ ብዙሕ ብዙሕ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተጽዕኖ ክግእብሩ ይኽእሉ እዮም:: ዕግርግር ክፍጠር ይኽእል እዩ:: ኣብቲ ናይ ኣቢይ miscalculation ጌሩዎ ዘሎ እቲ ህወሓት ውድብ ሓይሊ ቁሩብ ንዒቑዎ ኔይሩ ሕጂ ግን ቁሩብ ሓያላት ምኳኖም ዝተማህረ ይመስለኒ:: ምኽንያቱ ነታ ውድብ ከመይ ጌርካ ኢኻ ካብቲ ህዝቢ ትንጽላ ይፍትን ኔይሩ: ግን በቲ ዝፈተኖ ብምእሳር ብገለ ይኹን ነዚ ህዝቢ ትግራይሲ ኣብ ወያኔ –ሕቑፊ ውያኔ–ኣእትይዎ  ማለት’ዩ:: ብግምተይ:: 

ካልእ እዚ…. ዘሎ እዚ ናይ ኦነግ :OLF ዝበሃሉ 4-5 እንድዮም : ገሊኦም ብዳውድ ኢብሳ ዝምርሑ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዕጥቅና ኣይነውርድን ዝበሉ ሰለስተ ሽሕ ገለ ዝዓስከሩ ….. ኣብኡ ብዙሕ ዕግርግር ክፈጥሩ… እቲ ሽግር ዘሎ ንዖኦም “ንዑ ዕጥቅኹም ኣውርዱ” እንተኣ ኢሉዎም  ምስቲ ህዝቢ ክንጸል እዩ ማለት እዩ : ምስ ኦሮሞ::

ደሓር ናይ ሞያሌ ዓቢ ሽግር ናይ ሞያሌ ናይ ሶማሊን ኦሮሞን ቦታ እንድዩ : ኦሮሞ ሶማልን ኢትዬጵያ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ኬንያ ድማ ይዛመድዩእታ ሞያሌ’ስ ትበሃል ፍርቃ ኬንያ ፍርቃ ኢትይጵያ ኢያ::ሕጂ ኣብኡ ብዙሕ ናይ መሬት ውድድር ኣሎ: ኣብ ምንጎ እቶም ኢትዬጵያን ሶማል ዝበሃሉ: ኣብ ኦሮሞ ዝበሃሉ ::…. እቶም ኦሮሞ መንግስትና መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኦሮሞ ስለዝኾነ ሓያላት ኢና: ጉልበት ኣለና: ስለዝብሉ : ኣብኡ ብዙሕ ብዙሕ ሽግር ኣሎ:: ምኽንያቱ እቲ ውድድር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊ ኢትዮጵያን ኦሮሞ ጥራይ ዘይኮነስ .እቶም  ኬንያ ክኣትው እዮም…..”ቦሬና ኦሮሞ” ዝበሃሉ ኣለዉ….. እቶም ሶማል ድማ “ሓደ ህዝቢ ኢና” በሃልቲ እዮም: ካብ ኩሉ ምስሕሓብ ክህሉ ይኽእልዩ

ኣይትረስዕ..ዳውድ ኢብሳ ንኢሳይያስ ዓርኩዩ: ኣብቲ ናይ Eritrea Relief Association (ERA)ዝበሃል ዝሓገዘ ስለዝኾነ ንኣቢይ ኣሕመድ “ጠባይ እንተዘይጌርካ እዚኦም ከለዓዕለልካ እየ” ክብሎ ይኽእል እዩ ኢሳይያስ:: ኣብ ወለጋ በኒሻንጉል …. ይኽእል እዩ::ንሳ እያ እታ ናይ ኢሳያስ ተሞክሮ : ከመይ ጌርካ ድኽመት ናይ ሐደ ስርዓት ወይ ናይ ሐደ መንግስቲ ትፈልጥ’ሞ …ፕረሸር ( pressure point) ትምዝምዞ ትተናኽፎ::.ከምኡ ስለዝኾነ ይብል ኣነ I don’t know, I don’t have any evidence…እዚ ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ graduation ceremony… ኢሳያስ ክመጽእ ይግብኦ ኔይሩ ኣብ ጅማ: ኣይመጸን ምኽንያቱ ጽቅጢ ብዙሕ ይመጾ ኣሎ: እዚ ናይ ትግራይ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳ እንታይ እዩ ዝብል “ወጻእተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ dominate ይገብሩዎ ኣለዉ”:: ወጻእተኛታት ክብሉ ከለዉ …ኤርትራውያን: መንግስቲ ኤርትራ ማለቶም እዮም:: ኣብ ድሬዳዋ ድማ [ብተመሳሳሊ] ኢሳያስ: ብሶማል ጌይሩ ድሬዳዋ.. ክመጽእ ይኽእል ኔይሩ ግን ካንስል ጌሩዎ :: ሕጂ ኣብይ ኣሕመድ ቁሩብ ቁሩብ ነቲ ጸጥታ ሃገሩ ኣትኲሩ ክከላኸል ኢሉ ካብ ኢሳያስ ዝርሕቕ ዘሎ ይመስል::

በየነ: እቲ ዝበልናዮ እቲ ኣጀማምራ ክንዮ ዕርቂ ናይ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን እቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ሕብረት ወይ’ክኣ ሓደ ዋላ ቦርደር’ውን : ዶብ ኣየድልን እዩ ናብ ዝብል ነገራት እዩ ተበጺሑ ኔይሩ :: ስለዚ እዚ ኩሉ ኩነታት ከሎ ግን still ንኣብነት ፕሬ.ኢሳያስ ምስ ሶማል ምስ ኬንያ ክራኸብ ቀንዩ ቅድሚ ሕጂ ዘይተራእየ ማለት’ዩ:  ስለዚ እቲ ዝኸፈቶ መንገዲ ግን ንመን እዩ ዘርብሕ ዘሎ ማለት እዩ? ከምዚ ዝበልካዮ ንዶክ. ኣቢይ ናይ ኢትዮጵያ ኩኑታት እንዳሰሓቦ ይመጽእ ኣሎ: ምኽንያቱ እቲ ጸገም እንዳበርትዔ ስለዝኸደ ማለት እዩ:: ከምቲ ዝሓሰቦ ኣብቲ ዞባ ዘይኮነ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተመልሰ እዩ ዝመስል:: በቲ ሐደ ወገን ድማ ናይ ፕሬ. ኢሳያስ ድማ ነዚ ዕድል ተጠቂምካ ምስ ሶማል ምስ ኬንያ ናይ ምርኻባት ነገራት’ውን ክንርኢ ቀኒና :: ስለዚ እቲ ረብሓ ኣብ መን’ዩ ዝኸይድ ዘሎ ማለት’ዩ በዚ ኣረአእያ’ዚ? 

ሳልሕ: እወ’ሞ በየነ ንሳ ውድድር እንድያ ውድድር እያ:: ሕጂ እቲ ዞባ ናትና ክንብል ከለና እንታይ ማለት’ዩ : ሶሞልያ: ጁቡቲ: ሶማሊላንድ: ኬንያ: ኢትዮጵያ ማለት እንድዩ : ሕጂ ኣብ ኩሉሲ ውድድር እዩ ዘሎ:: ኣብ ሶማልያ እንድሕር ኬድካ እቶም ፖርለመንቴርያንስ of course ….ፓርላማ ሶማልያ ኩሎም ሓቂ ዘረባ ግዙኣት እዮም: I dont mean that…ከዋርዶም ኢለ ዘይኮንኩስ ኩሎም ወጻእተኛታት እዮም:: ደቂ ኤውሮጳ ደቂ ኣሜሪካ እኳ’ዮም ኣብቲ ፓርላመንት ዘለዉ::ብሓጺሩ ክትገዝኦም ትኽእል  ኢኻ::

ሕጂ ነዚ ናይ ሶማል ፖለቲካ ዝያዳ ዝያዳ ትፈልጦካብ ኩሉ ወያኔ እያ:: ምኽንያቱ ኣብኡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት “መን’ዩ? እንታዋይ እዩ?” ኣለሊያቶያ… እዚ ጀነራል ገብረ ዝበሃል ናይ ኢጋድ ዝነበረ: ኣቢይ ኣሕመድ መጀመርያ ውረድ ዝበሎ: ካብ ወያኔ ንላዕሊ ንሶማልያ ዝፈልጣ የለን::ኣብቲ ውድድር ናይ ሶማልያ ኣሎ ::.”ሶማሊላንደርስ” ዝበሃሉ ንሶም ድማ እዚ መንግስትና ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት ጉዳይ ሶማሊላንድ ኣይሰርሓሉን….. ን2 ሰሙን:ነጻ ሃገር እዮም ኔይሮም: ዓዲ እንግሊዝ ምስወጹ ….ብ ዮናይተድ ኔሽን ሬኮግናይዝ ዝኾኑ ሃገር እዮም ኔሮም…..ስለዚ ዝሐለፈ 20 ዓመት መንግስትና ድኹም ኔይሩ ዝበሉ…….ኣነ ኣብ ዝሐለፈ ክልተ ሰሙን ኣብ ኬንያ እየ ኔይረ :: ኣብኡ ናይ ሶማሊላንድ መራሕቲ ኣብኡ ኣኼባ ይገብሩ ኔሮም… ከመይ ጌርካ ነዚ መንግስትና ነሐይሎ: ነጻነትና ንሓትት: “ኣሽንኳይዶ ሶማሊላንድ:  ኤርትራን:  ደቡብ ሱዳን ነጻነት ዝሓተቱ ንሕና ዘይንሓተሉ ምኽንያት የለን” እዯም ዝብሉ : ነዚ ዘሎ ናይ ሶማሊላንድ መንግስቲ  ከመይ ጌርካ ከምእተበርትዖ ዝደፍኡ ሓያላት ኣለዉ:: ተረዲእካኒ?

በየነ: እወ


ሳልሕ: ኣብ ጁቡቲ: ጁቡቲ of course, I don’t know እዚ ናይ ኢብራሂም ጉለ:ኣፕቲዶን: ሓንቲ ፈሚሊ ( family) እዮም : ከመይ ጌርካ እዛ ስርዓት ናይ ስድራና ንዘልኣለም ትመርሕ ዝብል እምነት ኣለዎም:: ኣብኡ ድማ ..ንዝኾነ እዮም ዝሸጡዋ ጁቡቲ:: ሕጂ ሎም መዓልቲ ይርኢ ኔይረ ንቱርኪ ኣብ ጂቡቲ  ቤይዝ ክንገብረላ ዝብል ዕድመ ኣቅሪቦም ኔይሮም …ኣብ ጁቡቲ ሕጂ ኩሉ ኣሎ: ቻይና ኣለዉ ..መንከ ዘየለ….ኩሉ እዮም ዝዕድሙ ዘለዉ :: ዋላ  ጃፓን እውን መዓስከር ኣለዋ:: ኣብኡ እቲ ኢድ ናይ ኢሳያስ ስርዓት … ስርዓት ኢሳያስ.. FRUD ዝበሃል ፍሉጥ ኣብ ኤርትራ ዝተመስረቱ ናይ ጂቡቲ ዓፋር ውድብ እዮም:: ከመይ ጌርካ እዚ ናይ ኢብራሂም ጉለ (ሶማል እንድዩ/ ዒሳ) ከመይ ጌርካ ንዑኡ ትግልብጦ :: ምኽንያቱ እቶም ዓፉር FRUD ዝበሃሉ ነዚ ራስ ዱሜራ መሬቶም እዩ… ኩሉ ግዜ ውድድር ኣሎ::…. ከመይ ጌርካ ቀይሕ ባሕሪ control ትገብሮ እዩ …..ካብኡ እዛ ኢጋድ ትበሃል ውድብ እዛ ኢጋድ (IGAD)  ክትግማዕ እያ:: i dont know ድሕሪ 3 ዓመት ገለ ዝተርፍ ኣይመስለንን::…ምኽንያቱ እዞም ሃገራት ዓረብ: ስዑድያን: ኤማራት እንታይ ሒዞም ኣለዉ: ኤርትራ ኢትዮጵያ ሱዳን ሶማል ጅቡቲ ሒዞም ኣለዉ:: ቀጠር ድማ ሕጂ ትጏየይ ኣላ : እንታይ ክትሕዝ : ኬንያ ዮጋንዳ ሩዋንዳ ንኽትሕዝ:: እቲ ሕጂ ዘሎ ኢጋድ ናይ ኣፍሪቃ ማሕበር እንድዩ ዝበሃል ……. በቲ ሓደ ወገን ኤማራትስ ዑድያ ከመይ ጌርካ እጃም ናይቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትሕዞ ……በቲ ሓደ ወገን ድማ ቀጠር :: ቀጠር’ሲ ናብ ኬንያ ትጏየ ኣላ…

በየነ: ምስኡ ኣተሓሒዝካ  ምናልባት ኣብቲ ምትእኽኻብ እንተድኬይድና ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኔይሩ : ምሕባር ዞባ ኣፍሪቃን ሃገራት ወሰናስን ቀይሕ ባሕርን ዝብል ሓደ ጉጅለ ክፍጠር ድልየት ኣለዋ:: እዚ ኣብቲ ዞባ እንታይ ጽልዋ እዩ ክፈጥር ? እቶም ካልኦት ዝጸንሑ ከም በዓል ኢጋድ ዝበልካዮም ድዩ ከመይ’ዩ ክቃዶ ወይስ ክገራጮ እዩ? እቲ ዕብለላ ብኹሉ እንድዩ ዝመጽእ ዘሎ በቲ ሐደ ወገን ናይ ኣሜሪካ በቲ ሐደ ወገን ናይ ቻይና :ብፍላይ ድማ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ኣብቲ ዞባ ዘርእይኦ ዘለዋ: ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ኤርትራ ቀይሕ ባሕሪ ኣተኣሳሲርካ እንታይ እዩ ዝፍጠር ዘሎ? 

ሳልሕ: ኩሉ ግምት እንድዩ: ደማሚርካ እንዲኻ ትሪኦ :ትማሊ ድዩ ……ኣሜሪካ ኣብ Wall Street Journal…..ኣነስ ካብ መን ሓሚቐ ኢላ ግዲ ኮይና እቲ ምርጫ እንታይ እዩ : ምሳና ዲኹም ምስ ኣሜሪካ … ኽትብል ጀሚራ ኣላ…. ኣብኡ I dont know ኣሜሪካ እንታይ እያ ክትህቦም  ምኽንያቱ ቻይና ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኒናቶ እያ ምኽንያቱ low interest loan ዘለዎ ለቃሕ እያ ትህብ ..ግን እቲ ዝበሃል ዘሎ ኣሜሪካሲ በዚ USAID ጌይራ ብዙሕ ለቃሕ ክትህብ እያ … እዩ ዝበሃል:: ብናይ ኣሜሪካን: ቻይናን ውድድር: ኣብኡ ቱርኪ ትኣቱ ኣላ : ትጏየ ኣላ ….. ምስ ሱዳንን ሕጂ ድማ ምስ ጁቡቲን ኣብዚ Red Sea መዓስከር ንኽፍጠር :ውትድርና…

ናይ ስዑድያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ውዕል of course ኤርትራ ኣይነበረትን ናብኡ ናይ ጆርዳን ድማ ኣብቲ ….. ትዝክር  እንተኾይንካ እታ ዜና እንድሕር ርኢኻያ ….. ምስቶም ኣብ ስዑድያ ዝቅመጡ ደቂ ጆርዳን እያ ኣኼባ ጌራ ፡ ምስ መንግስቲ ጆርዳን ዘይኮነ [ዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ}…. ጆርዳን ሕጂ ኣብዚ ቁሩብ ግዜ እዚ ንጉስ : ንጉስ ዘይኮነ ልኡል ናይ ስዑድያ ንጆርዳን ክመጽእ ደልዩስ : ንጉስ ጆርዳን “ኖኖ ኣይጥዕመንን እዩ: ኣብ ቀብሪ ናይ ቡሽ ክኸይድ እየ” ገለ ኢሉ ኣመኽንዩ ሸንዲሑዎ::….እንታይ እዩ ዝርኣየካ ኩሉ ይሕቆን እዩ ዘሎ : ይሕቆን እንተድሕር ኣሎ : ኣብኡ እቲ ቀንዲ ዘገድስ እቲ  ኤርትራዊ እንታይ ኢድ ኣለዎ እንታይ እዩኸ ፍረ ክረክብ …..

በዚ ዝርእዮ ኣነ’ብቲ ንዓና ዝውክለና ዘሎ ኣብቲ ዘሎ ጉዳያት ኢሳያስ እዩ :: ኢሳያስ ድማ ታሪኽ ኣለዎ: miscalculation ጥራይ እዩ ዝገብር:: ኩሉግዜ ዝገበሮ ውሳኔ …. ንኤርትራ ዘኽስር እምበር ዘኽስብ የልቦን :: በዚ ናይ ጁቡቲ እንተርኢኻዮ: ከመይ ጌርካ ነዚ ናይ ጁቡቲ መንግስቲ በዞም FRUD ዝበሃሉ ዓፋር ከመይ ጌርካ ትግልብጦም …. ኣብ ኬንያ እንድሕር ኬድካ  ከመይ ጌርካ ኣብቲ ውድድር ናይ ኢጋድ EAC ተነጽሎም :: ኣብ ሶማልያ እንተኸድካ ከመይ ጌርካ መንግስቲ ናይ ሶማልያ በዚ ናይ United Arab Emirates ከመይ ጌሩ ከምዝምራሕ :: ኢትዮጵያ ድማ ኢዳ ጠሚራ ትሪኦ ኣላ ምኽንያቱ እቲ ንዓኣ ዘገድሳ ናይ ኦጋደን እዩ:: ሕጂ ኣብኡ..ቁርቁስ ብዙሕ  ኣሎ ብሓጺሩ ::… ከመይ ጌይሩ እዩ ክውሰን I don’t  know.

በየነ:ሕራይ ናብቲ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ክንምለስ : ከምዝፍለጥ ኣሰሓሓቢ ዶብ ዝነበረ ዳርጋ ናብ ምርሳዕ እዩ ኮይኑ ዘሎ ኣብ ካልእ እዩ ተኸይዱ ዘሎ’ሞ እዚ ዘይምፍትሑ ማለትሲ እቲ ዶብ ዘይምሕንጻጹ ሕጅ’ውን ካልእ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል ድዮ? እንታይ እዩ መጻኢኡ እዚ ጉዳይ?

ሳልሕ: እቲ ናተይ ርእይቶ ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ ዝብሉ ዝነበሩ እቶም ደገፍቲ ናይ ህግደፍ እዮም:: ብሓጺሩ : ደገፍቲ ናይ መንግስቲ :: ምኽንያቱ እቲ ኣብ ተቃውሞ ዝነበረሲ ከመይ ጌርካ “ከምዚ ትብሉ ኔርኩም ትማሊ: ሎሚ ድኣ እንታይ ኮይንኩም?” ክብል ኢሉ እዪምበር ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ ዝብልሲ….I dont know….ኢለ ይግምት:: ብግምተይ እዩ እዚ: ምኽንያቱ ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመት እዚ ናይ ተቃውሞ ሓይሊ “ዶብ ክሕንጸጽ ኣለዎ!” ይብል ኣይነበረን ምኽንያቱ ዶብ ተዘይተሓንጺጹ ተተሓንጺጹ …ከምዚ ናይ Trump መንደቕ ኣይኮነን :: ዶብ ጡባት ኢኻ ትሰርዖን:: እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ጡብ ሰጊሩዎ እዩ ዝኸይድ:: ተረዲእካኒ ኣለኻ በየነ?

ሕጂ እቲ ዶብ ተሓንጺጹን ኣይተሓንጺጹን ንዓና ነቶም ተቃውሞ I dont know ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን:: እቶም ዶብ ይተሓንጸጽ ዝብሉ ነቲ ናይ ህግደፍ ስርዓት “ትማሊ ዶ ከምዚ ትብል ኣይነበርካን?” ኢሉ ንከሕፍሮ ኢሉ እንተዘይኮይኑ …. ብናይ መትከል ጉዳይ ከምኡ ዝብል ዘሎ ኣይመስለንን::

እቲ ጉዳይ እንታይ እዩ? ይመስለኒ ኣነ: ኤርትራ ኣካል ወይ ክፍለ ሃገር ናይ ኢትዮጵያ ድያ ወይስ ነጻ ሃገር እያ ? እዚ ናይ ኣብይ ወላ እዚ ናይ ለማ ንዓይ ቁሩብ ሻቅሎት ዝገብረለይ ኣታሓሳስብኦም ኦሮሞ ‘ንከለውኣምሃራሳይዝ (Amharicize) ዝኾኖ ኦሮሞ እዮም::ከምዚ Greater Ethiopia (ዓባይ ኢትዮጵያ) ዝኣምኑ ሰባት እዮም:: ከመይ? “ንስኹም ኢትዮጵያውያን ኢኹም ኣብ ቦታኹም: ደረትኩም ትረፉ” ኣትሪሩ ዝብል ብወገንና ዝከላኸል ሓይሊ የለን:: ምኽንያቱ እቲ መራሕ ሃገር ዝበሃል ኢትዮፒያኒስት “Ethiopianist” እዩ

ኢትዮጵያ ክትበሃል ከላ I hate to say this “its amharisized Ethiopia.” Amharisize” ድማ “Greater Ethiopia”– ክብሉ ከለዉ “ኢትዮጵያ ክትበሃል ከላሲ ፖርት ዘለዋ: ባጽዕ ዘለዋ: ዓሰብ ዘለዋ… ” ከምኡ እዮም ዝኣምኑ….

“ኣይፋልኩምን: ንስኹም ኣብ ኢትዮፒኣኹም ትረፉ: ስምምዕ ንግበር ግን ንሕና ኤርትራውያን ኣብዚኣ: ንስኹም ኣብ ቦታኹም” ዝብልሲ ኣካል የለን ኣብ ኤርትራ:: ኣብቲ  ፓለቲካል ቁርቁስ የለን ኤርትራዊ::

በየነ: እቲ ናይ ዝብዝሐ ብዙሕ ሰብ’ውን ዝሻቐለሉ ጉዳይ’ውን ንሱ እንድዩ: ንኣብነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ይፈራረም ኣሎ እንታይ እዩ እቲ ዝፈራረምዎ ዘለዉ’ውን ግሉጽ ኣይኮነን:: ስለዚ ኣብ መጻኢ ምናልባት ከምኡ ዓይነት ስምምዕ እንተተገይሩ ንኤርትራ እንታይ ዓይነት ሳዕቤን እዩ ክፈጥረላ ኣብ መጻኢ ማለት ዝግበር ዝኾነ ስምምዓት ማለት ብፖርላማ ዘይፍለጥ ህዝቢ ዘይፈልጦ ስምምዓት እንተተጌይሩሞ እሞ ህዝቢ ዘይድልዮ እንተኾይኑ ኣብ መጻኢ እንታይ ዓይነት ነገራት እዩ ክፍጠር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ? 

ሳልሕ: እሞ: በየነ ዓርከይ ንሳ እንድያ እታ ሓደጋ: ቅድሚ ሕጂ ወያኔን ሻዕብያን ስምምዕ ክገብሩ ከለዉ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ኣይፈልጦን እዩ ኔይሩ :: ሕጂ ድማ ንዑኡ ረሲዖም ከምብሓድሽ ውዕል ክገብሩ ከለዉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይፈልጦ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ ውዕል ክገብሩ ከለዉ: ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኣቢይ ኣሕመድ “ኣሚነካ ኣለኹ: ዓሰብ ኣምጽኣለይ: ባጽዕ ኣምጽኣለይ እምበር it doesn’t matter” እዩ ዝብል ዘሎ :: ህዝቢ ኤርትራ ግን ወኪል የብሉን: ምኽንያቱ እቲ ወኪል ናቱ– ስርዓት ህግደፍ ዝበሃል– ውክልና ንኣቢይ ኣሕመድ እዩ ሂቡዎ: ድላይካ ግበር ኢልዎ ኣሎ::

ኣብዚ እቶም ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ከም ህዝቢ ከም ሃገር የኽብሩና እንድሕር ኮይኖም ከም ዓመጽ ክኸውን የብሉን:: Of course ድላዮም ክገብሩኻ ይኽእሉ እዮም:: ኣብዚ ግዜ’ዚ ብጣዕሚ ድኹማት ኢና ዘለና ንሕና: ግን ዘላቂ ሰላም ክትገብር እንተኾይንካ ዝኾነ ውዕል ትኣትዎ ብኽልተ ወገን በቲ ህዝቢ ደገፍ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ:: ረስዓዮ እዚ “ኢሳይስ ወዲ ቴምቤን እዩ ገለገለ” ዝበሃል ስቅ ኢልካ ናይ እንታይ ሽሙ ዘረባ… እቲ ውዕል ዝግበር ዘሎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ኢትዮጵያ ፓርላማ ratifed ኣይኮነን : ኤርትራ ዝውክል ፖርላማ ratified ኣይኮነን ::ስለዚ ከምዚ ናይ ቀደም … ፈደረሽን ነበረ ሓደ ሓያል ነቲ ድኹም ዝምዝምዞ ሰለዝኾነ … ናይ ግዝያዊ ጥቅሚ ክርእዩ የብሎምን :: ግዝያዊ ጥቅሚ ክሪኡ እንተኾይኖም ድኹማት እንዲና ዘለና ድላዮም ክገብሩ ይኽእሉ እዮም::ዘላቂ ሰላም ክህሉ እንተድኣ ኮይኑ እዚ ንገብሮ ዘለና ውዕል ደገፍ ኣለዎ ድዪ ብህዝቢ ኤርትራ? ደገፍ ኣለዎ ድዩ ብህዝቢ ኢትዮጵያ? . …….. ኣብ ጏል ነገር ሓዲጉ ኣብቲ ቀንዲ ጉዳይ ክኣቱ ኣለዎ:: ንሕና ኤርትራውያን እዚ ዝግበር ዘሎ ውዕል ብስምና ይፍረም ድኣ’ሎ እምበር ንሕና ፍቃድና ኣይሃብናን ኢሉ ኣብኡ ጥራይ ከተኩር ኣለዎ:: :: ፍቓድና ንህብ ንኸውን… ባጽዕ ንህብ ንኸውን፥ ዓሰብ ንህብ ንኸውን….ግን ፍቃድና ኣይተዋህበን — ኣብኡ ጥራይ ኣተኩሮ ክገብር ኣለዎ::

በየነ: ግን ተቃዋማይ ዝበሃል ክትሪኦ ከለኻ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ፋሕ ዝበለ ኮይኑ ይስምዓካብጥርኑፍ ኮይኑ ድምጹ ከስምዓሉ ኣብዘይክእል ሓይሊ ዝበጽሐ ኮይኑ ይርኣየካ : ስለዚ ናይ ኣየናይ ተቃዋማይ ኢኻቭትዘረብ ዘለኻ ማለት እዩ?

ሳልሕ: ተቃዋማይ … ጽቡቅ ኣለኻ: ተቃዋማይ ጥርኑፍ ኣካል: ውዱብ ኣካል: ትምክሓሉ ክንድቲ የለን:: ግን ነቲ ስርዓት ናይ ህግደፍ ናይ ኢሳያስ ዘይድግፍ ተቃዋማይ ጥርኑፍ ይኹን ጥርኑፍ ኣይኹን ኣብዚ ግዜ’ዚ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ውዕል ኣይፈረመሉን ::

“ብሽመይ ኢኻ ውዕል ትኣቱ ዘለኻ” ኣይበሎን ንኢሳያስ–ንመንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይበሎን:: እዚ ክግበር ድማ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ክትከል ኣለዎ:: ዋላ ድኹም ይኹን እዚ ተቃዋማይ:: ኣብ ዝኾነ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገርራት ዝግበር ስምምዕ እቲ መንግስቲ ንህዝቢ ወኪሉ ስምምዕ እንተድኣትዩ legitimate እዩ:: ንህዝቢ ከይወከለ ሓያል ስለዝኾነ ስምምዕ እንድሕር ኣትዩ ጽባሕ ንግሆ “እምብዋዕ እዚ መንግስቲ ድኣ ንዓይ ከይወከለ እንድዩ ኣትዩ!” ኢሉ ጸገም ክፈጥረሉ ይኽእል እዩ::

በየነ: ወዲእና አለና ምናልባት ኣብ መጻኢ ንዝርኣየካ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ማለት ብዙሕ ናይ ዲፕሎማሲ ላዕልን ታሕትን ኢና ንርኢ ዘለና : ብፍላይ ፕሬ. ኢሳያስ ካብቲ ዝጸንሖ ወጺኡ ምስ ሶማል ምስ ኬንያ ምስ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት’ውን ይራኸብ ኣሎ :: ስለዚ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ መጻኢ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ምንታይ ገጸን እየን ከምርሓ በዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ: ናይ መወዳእታ?  

ሳልሕ: እቲ ቀንዲ ክገርመና ዘይግብኦ ናይ ኢሳያስ ናብ ኬንያ ከይዱ: ናብ ሶማል ከይዱ: ናብ ጁቡቲ ከይዱ: ናብ ኢትዬጵያ ከይዱ እዩ:: ከምዚ ሓድሽ ዓወት ንሓስቦ ዘለና እቲ ንቡር: ንቡር ኩሉ መንግስቲ ዝገብሮ እዩ:: ካብ ዘይንቡር ዝነበረ ናብ ንቡር መጺኡ እዚ እቲ ሚኒሙም (minimum) እቲ ዝወሓደ መንግስቲ ክገብሮ ዝኽእል እዩ::

እቲ ቀንዲ ዘገድስ እንታይ እዩ : እዚ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ናይ ሶማል መንግስቲ ናይ ጂቡቲ መንግስቲ ናይ ኤርትራ እቲ  ዝኣትውዎ ዘለዉ ውዕል’ሲ ንህዝቢ ወኪሎም ድዮም ዝኣትዉዎ ዘለዉ ወይስ “ንሕና ንፈልጥ ንስኻ እንታይ ኣፍሊጡካ : ብዝበልናካ ኺድ” እዩ እቲ ቅንዲ ዘገድስ:: ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ቁሩብ ቁሩብ ሻቅሎት ስለዘለዎም “ጽባሕ ንግሆ election ክንገብር ኢና” ስለ ዝብሉ: ከምዚ ዝበልክዎ ዓንተዎይ ” ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ጅማ ምስ ኢሳያስ ክራኸብ እዩ ኣብ ድሬዳዋ ክኸይድ ዩ” ምስ ተወርየ: ቁሩብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ “እዚ ዝገብሮ ዘሎ ህዝበይ ይድግፎ ድዩ ኣይድግፎን” ኢሉ ተጋእ ዝበለ ….ፖርለመንት .ድማ ቁሩብ ሻቅሎት ኣለዎ:: እቲ ናይ ሶማልይ ፓርልያመንት ወላ ንንዓቆ ከምኡ: ናይ ኬንያ ከምኡ ናይ ጂቡት ከምኡ…. እቲ ሽግር ዘሎ ናይ ኤርትራ ወላ ናይ ቃልዓለም ህዝቢ ምኽሳብ: ርእይቶ ህዝቢ ምስማዕ ስክፍታ ዘይብሉ ስርዓትዩ:: “ንሰበይ: ህዝበይ ይውክል ድየ?” ዝብል ኣታሓሳስባ ስለዘይብሉ ኢሉ: ስቅ ኢሉ ብናህሪ ዝኸይድ ዘሎ:: ጽባሕ ንግሆ እቲ ህዝብና ዝኣትዎ ዘሎ ውዕል ይድግፎ ድዩ ኣይድግፎን : ንሱ እዪ እቲ ዘሻቅለኒ::

እምበር ሃገራት ኩሉግዜ ውዕል ይኣትዋ እየን: ስምምዕ ይኣትዋ እየን :ግን ንመን ወኪለን? ጥቅመን ወይስ ነፍሰን ወኪለን እየን ዝኣትውኦ? ናይ ኤርትራ መንግስቲ ድማ ኩሉ ግዜ ብላማድ “ህዝብን መንግስትን! ህዝብን መንግስትን!” ስለዝብል: ኣብዚ ዘይንፈልጦ ስምምዕ ንዓና ወኪሉ ድዩ ኣይወከለን እተን ጎረባብትና ኩሉን ክፈልጥኦ አለወን:: ብኣና እዚ መንግስቲ ፍቃድ ኣይተዋህበን ኣብ ፊርማ ክኣቱ :: ብሓይሉ እዩ ዝገብሮ ዘሎ:: ንሳ ክትፍለጠልና::

በየነ: ሕራይ’ሞ ኣቶ ሳልሕ ኣብ መጻኢ ምዕባለታት እንዳረኣና ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ትንታነ ትህበና ትኸውን : ንሎሚ ግና ብሽመይን ብሽም ሰማዕቲ ረድዮ sbsን  ኣዝየ የመስግነካ::

ሳልሕ: Thank you, Beyene!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *